Detecting...
Please whitelist dirzon to continue.
መዝ ጸሎት እምበኣር ብኣምላኸ መንፈሳዊ ጽጋብ እውን ኢያ ማለት ኢዩ። ከምተን ዓሰርተ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ብኣጻብዕቱ ዝጸሓፈን ዘጸ እታ ቀዳመይቲ ጽላት ብዛዕባ ኣምላኽ ኣዚዩ ስለ ዘገድስ ኢዩ። እዛ ጸሎት ኣምላኸ ቀዳምነት ከወሃቦ ኢያ ትምህረና ብቐዳምነት ቅድሚ ኩሉ ነገር ስኢና ከብቅፅ ምስ እዚ ኩሉ ዝበልናዮን ካልእ እውን ከውሰኽኸ ዝከኣልን ኩለን ኣብ ሓንጎልካ ኣብ ምስትንታንካ ከሓድር እሞ ከምዚ ንኸትብል ኢዩ ስምካ ይቀደስ ምዕራፍ ዓሰርተው ሻሙሽተ መንግስትኻ ትምጻእ እቲ ሓቀኛ ንጉስን መላኸን ሓደ ንሱ እግዚኣብሄር ኢዩ። ከመይሲ ንኹሉ ነገር ዝመልኽ ንሱ ኢዩ። መኽንያቱ ንኹሉ ዝፈጠረ ንኹሉ ህሉው ዝገበረ ንኹላ ኣድማስ ምስ ምልኣታ ዝመልኽ ኢዩ። መንግስቲ ጐይታ እምበኣር ምስ መስቀልን ድሕነትን ምትእስሳር ዘለዎ ኮይኑ ኩሎም ደቂዚ መንግስቲ ዘበሉ ድሕነት ረኸቡ ተበጃውነት ብሞት ናይ ክርስቶስ አብ መስቀል ኣብ ሰዓት ትሽዓተ ኢዩ ተፈጺሙ። ብስራት መንግስቲ ኣብ ልደት ከርስቶስ ኢዩ ጀሚሩ።
ጸሎት ብኣኣ ኣቢልና ምስ ኣምላኸ እንራኸበላ ጣዕሙን ርህራሄኡን እነስተማቅረላ ኣብዛ ጸሎት እዚኣ ኣእዛን እግዚኣብሄር ኣብ ኣፍና ለጊበን ድምጽና ዝሰምዓላ ግና ከኣ ልዕሊ ጉቡእና ዝኾነት ዓባይ ከብሪ ኢያ ስለዚ እምበኣር ጸሎት እንታይ ኢዩ ዝብል ሓተታ ሒዝና ንጀምር ጸሎት ሕጽር ብዝበለ ቋንቋ ምስ ኣምላኸ ምዝራብ ኢዩ ግናኸ ዘረባ ብልሳን ዶስ ብልቢ ብርግጽ እታ ብልቢ አእትግበር ጸሎት ኢና ንዛረበላ ዘለና እታ ብልሳን ጥራይ እትግበር ጸሎት እሞ ጐይታ እውን ባዕሉ ነቶም ብልሳኖም ጥራይ ዚጽልዩ ከምዚ ከብል ወቼስዎም ኢዩ እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኸብረኒ ልቦም ግና ካባይ ርሑቕ እዩ ማር ። ጸሎት እምበኣር ፍቕሪ እውን ኢያ ማለትና ኢዩ እቲ ዘማራይ ኣብ መዝሙሩ ዎ ጐይታ ስምካ ዝፍቶ ኢዩ ምሉእ መዓልቲ ከኣ መዝሙረይ ኮነ መዝ ። ኣብነት እንተወሰድና ጸሎት ቅዳሴና ብዜማ ዝተቓነየ ኢዩ ከምኡውን ጸሎት ኣበሶልሞድን ከሉ ውዳሰፀታትናን ተመሳሳሊ ኢዩ ኣብ ገዜ ውዳሴ መዝሙር ዳዊት ይኹን ወንጌል ከንበብ እንከሎ ብዜማ ኢዩ ዝንበብ እዚ ኩሉ ልቢ ተሓጐሳ ደው ብምባል ናብ ኣምላኽ እተቕርቦ ጸሎት ብመዛሙር ሊዩ ብርግጽ ኣብ ቅዳሴና ጊታር ኮነ ክራር ኣይንጥቀምን እንተኾነ ናይ ልብና ኩሎም መሳርሒታት ህርመት ንጥቀም ዜማ እምበኣር ጸሎት ኢዩ ጸሎት ከኣ ዜማ ኢዩ ንሳ ኣብ ህላዌ ኣምላኸ እንህልወላ ናይ ቃላት ዝማሬ ኢያ። ኣምላኽ ኣብ ፍቕሪ እውን ቀዳማይ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ኣቦ ዝብል ኣበሃህላ ኣብ ልቢ እግዚኣብሄር ዘሎ ዕምቄት ናይ ደቂ ሰባት ፍቕርን ከም ባሮት ዘይኮነስ ከም ውሉድ ብምርኣይ ፍቕሩ ዘርኣየና ኢዩ ዝገልጽን ዘረጋግጽን ኣብ ቅዱስ ወንጌል ብግልጺ ዝበሎ እንተ ረኣናውን ንስኻትኩም ኣዕሩኸይ ኢኹም ደጊም ባሮት ኣይብለኩምን እየዮሓ ጊ ኢዩ ኢሱ ዘሉ ተ ንሕና ምድራውን ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና ኢልና ንጽወዓካ ካብ ልዕልናኻ። ኣብ ግዜ ጸሎት እምበኣር እዚ ስምዒትዚ ኢዩ ዘለና መኽንያቱ ካብ መላእ ቤት ከርስትያን ዘይንንጸል ከፋላ ኢና ስለዝኾነ ከኣ ኣብ ጸሎትና ንመላእ ዓለም ንዝክር። እዚ ዓይነት ጠባይ ጸሎት ግና ኣብ ጸሎት ጐይታ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነስ ኣብ ኩሉ ጸሎታትና ብኸምዚ ኢዩ ተሰሪዑ ዘሉ መዛዘሚ ናይ ነፍስወከፍ ጸሎት ሸውዓተ ሰዓታትና ብኸምኡ ንውድእ። ስለዚ ከኣ ከዛረበካ አንከለኹ ከም ናተይ ኣቦ ጥራይ ዘይኮንኩስ ከም ሓደ ካብ ብዙሓት ኣሕዋተይ ኣቦና እንዳበልኩ ከም ነፍሰይን ቅድሚ ነፍሰይን ዝዝክሮም ምዕራፍ ትሸዓተ ጽሎት ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦናን ናይ ሕብረት መንፈስን ኣብዛ ጸሎት ጐይታ ናይ ግሊ ጸሎት ኣይርከባን ኢዩ እቲ መኸንያት ድማ ሰብምእንቲ ኩሉ ሰብ ደኣ እምበር ምእንቲ ውልቁ ጥራይ ከም ዘይጽልይ የረድኣና ። ከምኡ አውን መንፈሳውያን ኣቦታት ከኣ ኣለውዎ እዚ እንልምኖ ዘለና ኣቦ ግና እቲ ኣብ ሰማያት ዝነብር ኣምላኻዊ ኣቦ ሊዩ ኣብ ሰማይ ዘይኮነስ ኣብ ሰማያት ። ከምቲ ኣብ ግጥሚ ዝብሎ ንስኻ ብሓቂ ኣብ ሰማያት ኢኻ እንተ ኩሉ ልቢ ግና ኣብ ፍቕሪ ልዕልናኻ ይነብር እዚኣ እምበኣር ኢያ እታ ኣምላኽ ዝነብረላ ሰማይ ። ኩሎም ብምኽንያት ኮነ ብዘይ መኸንያት ንኣምላኸ ዝጻረፉ ናይ ኩሉ ፍሽለታቶም ኮነ ሕማማቶም ወይ ከኣ ህልቂታትን ሞት መቕርቦምን ፈተውትን ኣምላኽ ኢዩ ኢሎም ይሓስቡ እሞ ነቲ ቀዱስ ስም ኣምላኸ ብድፍረት ይጻረፉን ዘይግባእ ይብሉን ወይ ከኣ ኣምላኸ አብ ሰማይ ኮይኑ ስለ ሰባት ኣይግደስን ኢዩ ግፍዒ እንከፍጸም ግዲ ኣይገብርን ንዓለም ኣይቆጻጸር ኣይሕሉ እንዳበሉ ይኸስዎ ከምዚ ኢሉ ድማ ማሕበራዊ ኮነ ስነኣእምሮኣዊ ጸገማቶም ናብ ምጽራፍ ስም እግዚኣብሄር ይልወጥ ብኣንጻሩ ጻድቕ ኢዮብ ኩሉ ነገር ስኢና ከብቅፅ ምስ እዚ ኩሉ ዓጭችቅ ጸበባ ግና ንኣምላኸ ከምዚ አንዳበለ ባረኾ አግዚኣብሄር ሀበ እግዚኣብሄር ድማ ወሰደ። እቲ ጐይታ ብተግባሩ ተደኒቹ ምኽንያት ናይቲ ዝገብሮ ምስ ሓተቶ እቲ ባርያ ድማ ከመይከ ዘይሰግድ ስም እቲ ዓቢ ኣምላኸ ሰማይን ምድሪ ዝፈጠረ እንዳ ተጸውዐ ሓለቓታት መላእኸቲ ሰማይ ምስ ሰራዊቶምን ኩሎም ናይ ሰማይ ሓይልታትን ዝሰግድሉ ዶ ኣይኮነን እዚ ባርያ ከኣ ንጐይታኡ ትምህርቲ ኮኖ እሞ እቲ ጐይታ ድማ ካብ ሽዑ ንደሓር ስም ኣምላኸ ብከንቱ ምልዓል ኣቋረጸ ። ከምዚ ብምባል እቲ ግዝኣት ከኣ ኣብ መንኩቡ እዩ ስሙውን ግሩም መካር ብርቱዕ ኣምላኸ ኣቦ ዘለኣለም መስፍን ሰላም ኪስመ እዩየ አወ ጐይታ ኣብ ኩሉ ነገር መንከር ኢዩ መስተንከር ኢዩ ብዘለኣለማውነቱ መንከር ኢዩ ካብ ዘይምንባር ናብ ምህላዉ ኣምጺኡ ብክእለት ፈጣሪነቱ መስተንከር ኢዩ ብዘይተበጻሕነቱንዘይምርመር ዘይተራእይነቱ ዘይርአ ምኺኑ መስተንከር ኢዩ ምስ ኣቦ ዘለዎ ማዕርነት ኣይሓድግን ከይበለ ካብ ድንግል ማርያም ምውላዱ ተሰጋውነቱ መስተንከር ኢዩ ትንሳኤኡን ዕርገቱን መንከር ኢዩ ኣብ ኩሉ ተኣምራቱ ። ገባሪ ተኣምር እውን ተባሂሱ ኢዩ ኣብ መዛሙር እውን ከምኡ ኢዩ ተባሂልሱ ዘሎ ዎ ኣምላኸ መገድኻ ብቕድስና እዩ ከም ኣምላኸ ዝበለ ዓብዩ ኣምላኽከ መን ኣሎ ተአምራት እትገብር ኣምላኸ ንስኻ ኢኻ። ኣብ ክርስትና ድማ ካልእ ስም ሂባቶ ኣላ ንሱ ድማ ፍቕሪ ዝብል ኢዩ ዮሓንስ ሃዋርያ ድማ ከምዚ ኢሉ ኣሎ ኣምላኸ ፍቕሪ እዩ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዚነብር ከኣ ኣብ ኣምላኸ ይነብር ኣምላኸውን ኣብኡ ይነብር። ንሕና ድማ ኣብ ናይ ጐይታ ጸሎት ዎ ኣቦና ኣብ ሰማያት አትነብር ኢልና ንጽውዖ ማቴ ። ስም እግዚኣብሄር ኣብ ከንፈሩን ኣብ ልቡን ዘንበረ ዘበለ ኩሉ ኣብ ውሽጡ ሓይሊ ኣምላኽ ይስመዖንሱ በዚ ስም እዚ ድማ ብዙሕ ስራሕ ክሰርሕ ይኽእል ኣብዚ ናይ ነቢይ ዳዊት እንተ ዘኪርና ምስቲ ገዚፍ ጎልያድ ክዋጋእ ምስ ቀረበ ዝበሎ ቃል ንስኻ ብሴፍን ብኹናትን ብመዝረቕን ትመጻጸኒ ኣሎኻ ኣነ ግና ብስም እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እቲ ንስኻ አተባጭዎ ዘሎኻ ኣምላኸ ጭፍራ እስራኤል እመጸካ ኣሎኹ። ኣብቲ ናይ ሓጥያት ሓሳብ ካብ ምቅጻል ካኣ የቋርጽ ስለዝኾነ ድማ ኢዮም እቶም ብሓጥያት ዝተታሕዙ ካብ ስም እግዚኣብሄር ዝሃድሙ መኽንያቱ ስም እግዚኣብሄር ንሓጥያቶምን ድኻሞምን ሕልናኦምን ስለ ዘዘኻኸሮም ኣብ ውሽጦም ዝጻረር ኣካል ስለ ዝስመዖም ኢዩ አጋንንቲ ንደቂ ሰባት ከዋግእዎም እንከለዉ ስም እግዚኣብሄር ኢዮም ዘረስዖቓ ከምኡ ጌሮም ድማ ናብ ናይ ሓጥያት ባርነት ደረጃ የብጽሕጾዖ መኽንያቱ ስም ኣምላኸ ኮነ ዝኾነ ብዛዕባ ገይታ ዘበለ ክሰምዑ ከሳብ ዘይፈትዉ ስለ ዝበጽሑ ስም እግዚኣብሄር ዋላ ብሃንደበት ህጻን እውን ጽልዋን ሓይልን ኣለዎ ከም ጐይታ ይርኢ ኢዩ ጐይታ ይሰምዕ ኢዩ ምባል ። እወ ኩሉ ግዜ ኣብ ግዜ ጸሎትካ ሰባት ኣብ እትረድኣሉ ኣብ ማሕበራዊ ኮነ ግላዊ ዕዮ ህይወትካ ኣብ ልብኻ ቀዳማይ ከሰፍር ዘለዎ ስም እግዚኣብሄር ኢዩ። መኸንያቱ ብስብከት ስም እግዚኣብሄር ኣብቶም ሰባት ይቅደስን ስሙ ተላልዮምን ምስኡ መራኸቢ ትፈጥረሎምን እሞ ነዚ ስም እዚ ደጋጊሞም ከጠቕስዎ ምስ ጀመሩ ከኣምኑን ስሙ ከጽውዖዎ ይኸእሉ ጐይታ ብዛዕባ ኣቦ ንደቂ ሰባት ከላልዮ እንከሎ ከምኡ ኢዩ ጌሩ ኣብ ዮሓንስ ኣሎኩም ከምዚ ከኣ ይብል ነዞም ካብ ዓለም ዝሀብካኒ ሰባት ስምካ ገለጽኩሎም ጻድቕ ኣቦይ ዓለም ኣይፈለጠትካን ኣነ ግና ፈሊጠካ አሎኹ። ብርግጽ ኣምላኸ ኣብ ሰማይ ልዕል ዝበለ ከንሱ ብትሕትና ናብ ምድሪ ብምጥማት ነቲ መስኪን ካብ ሓመድ ነቲ ነዳይ ከኣ ካብ ጎሓፍ ኣልዒሉ ምስ መሳፍንቲ ህዝቢ ዘቐምጥ ኢዩ እምበኣር ኣብ ጸሎትካ ስምካ ይቀደስ ክትብል እንከለኻ ልከዕ ኣምላኸ ሓይሊ ከህበካ እሞ ስም እግዚኣብሄር ኣብ ሰባት ከግለጽ ሰባት ነዚ ስምዚ ኣማኑኤል ትርጉሙ ኣምላኽ ምሳና ዝብል ከፍቅርዎ ምግባር። ስም የሱስ እቲ ንህዝቡ ካብ ሓጥያቶም ዘድሓኖም እቲ መልኣኽ ነቶም ጓሶት ከም ዘበሰሮም የሱስ ብዛዕባ ኣምላኸ ዝነገረና እንተ ተመልኪትና ከኣ ከም ሓደ ሩህሩህ ኣቦ ከይለመንካዮ ዝህብ ጌሩ ኢዩ ሃዋርያ ቅዱስ ዮሓንስ ከኣ ብዛዕባ ኣምላኸ ከምዚ ኢሉና ኣሎ ኣምላኸ ፍቕሪ እዩ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዚነብር ከኣ ኣብ ኣምላኸ ይነብር ኣምላኸውን ኣብኡ ይነብርዮሓ ሰባት ንኣምላኸ ከፍቀርዎ ግበር ከም ዘፍቅሮም ድማ ግለጸሎም። እዚ ኩሉ ዝበልናዮን ካልእ እውን ከውሰኽኸ ዝከኣልን ኩለን ኣብ ሓንጎልካ ኣብ ምስትንታንካ ከሓድር እሞ ከምዚ ንኸትብል ኢዩ ስምካ ይቀደስ ምዕራፍ ዓሰርተው ሻሙሽተ መንግስትኻ ትምጻእ እቲ ሓቀኛ ንጉስን መላኸን ሓደ ንሱ እግዚኣብሄር ኢዩ። እዚ ብርሃን እዚ ምስ መጽአ ከኣ ንሱ ከገዝእ ጸልማት ከቅላፅ ኮነ ጐይታ ግና መኣስን ብኸመይን ኢዩ ገዚኡ ጐይታ ከምቲ ኣብ መዝሙር ዘሎ ኣብ ዕንጨይቲ መስቀል ኢዩ ነጊሱ መዝ ።