Detecting...
Please whitelist dirzon to continue.
ኣብቶም ኣሚኖምን ተጠሚቆምን ዝነበሩ እሞ ሃይማኖቶም ዝለወጡ ሰባት ንእኦም ብጉባኤ ዝተኣዘዘ ግዝት ከምኡ ውን ንዘለዓለም ዘመሰግኑኻ ብፁዓን እዮም ኦ ጉይታ እቲ ረድኤትካ ዝተገብረሉ ሰብ ብፁዕ እዩ።
ብሓቂ ሰብ ዝኮነ ንሱ እግዚአብሔር ቃል እዩ። ኣብ ባህርይ ሰብ ውን ሰብ ዝኮነ ንሱ እዩ ካብ አብ ዝተወልደ ካብ ባህርይ ኣምላክ ዝተረክበ ናይ ባህርይ ኣምላክ ናይ ዘለዓለም ንጉሥ ንሱ እዩ። ካብ ቅድስት ድንግል ውን ሰብ ዝኮነ ንሱ እዩ። እዚ ድማ ሓደ መለኮት እዩ። እኳ ደኣ ወልድ ቃል ቅድሚ ሰብ ምኳኑ ባህርይ ሥሉስ ቅዱስ ሓደ እዩ ከምኡ ውን ድኅሪ ሰብ ምኳቧኑ ባህርይ ሥላሴ ሓደ እዩ። እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ውን ካብ አብ ዝሠረፀ ሓደ ኣካል እዩ። አብ ወልድ እዩ መንፈስ ቅዱስ ውን እዩ። ወልድ ድማ አብ እዩ መንፈስ ቅዱስ ውን እዩ። መንፈስ ቅዱስ ድማ አብ እዩ ወልድ ውን እዩ ኢሎም ናይ ሥላሴ ኣካል ሓደ እዩ ስም ግና ሠለስተ እዩ ዝብሉ ናይ በዓል ሰባልዮስ ዝረከሰት ሃይማኖት ነውግዝ ኢና በሉ። ንሱ ውን ናይ ባህርይ ኣምላክ እዩ። ሓደ ንሱ በይኑ ኣምላክ እዩ ሰብ ውን እዩ። ኣብ ልዕሊ ሕያው እግዚአብሔር ነዚ ነገርዚ ንምንታይ ደፊሮም ይዛረቡ ንሱ ሕይወት ትንሣኤ እዩ ንሱ ኃይሊ እግዚአብሔር እዩ ካብ ባህሪኡ ከይተለወጠ ካብ እመቤትና ነፍስን ሥጋን ተዋሒዱ ሰብ ዝኮነ ንሱ ከማና በልዐ ሰተየ ካባና ብዝወሰዶ ባህርየ ሰብ ሓመመ ተሰቕለ ሞተ እምበር ንሱ ናይ ባህርይ ኣምላክ ክበውን ከሎ ሰብ ኮነ። ቃል እግዚአብሔር አብ ከም ሓደ ቅዱስ ሰብ ካብ ነቢያት ከምዝኃደረ ካብ እመቤትና ቅድስት ድንግል ማርያም ነፍስን ሥጋን ተዋሒዱ ሰብ ከምዘይኮነ ዝናገሩ እዚኣቶም ብከመይ ዝበለ ሥራሕ ክርስቲያን ክበሃሉ ይፈትዉ ክርስቶስ ካልእ እዩ ወልድ ውን ካልእ እዩ ወልደ እግዚአብሔር ካልእ እዩ። ምስ አብ ሓደ ዝኮነ ወልድ እዩ ደኣ እምበር። ወልድ ብባህርይ ምስ አብ ሓደ ከምዝኮነ አብ ከምዘይኮነ ከምኡ ድማ ሥጋ ብቅድምና ምስ ባህርየ ቃል ሓደ እንተ ኾይኑ ካብ ባህርየ ቃል ውን ፍሉይ ካብ ኮነ ቃል ውን ካብ ዘይኮነ ከምቲ ርኹስ ትምህርቶም ምስ መንፈስ ቅዱስ ሥላሴ ኣርባዕተ የብል ማለት እዩ። እዚ ቃል እግዚአብሔር አብ ሓደ ገዛኢ እዩ። ጳውሎስ ውን እግዚአብሔር እዩ እዩ በለ። ሠለስተ ኣካላት ብባህርየ መለኮት ሓደ ከምዝኮነ ምስ ብዙኃት ከምዘይነጻጸር ኣይትፈልጡን ዲኹም ከምቲ አብ ሓደ ዝኮነ ወልድ ውን ሓደ ከም ዝኮነ ከምኡ ውን መንፈስ ቅዱስ ሓደ እዩ። አብ አብ እየዩ ወልድ ውን ወልድ እዩ መንፈስ ቅዱስ ውን መንፈስ ቅዱስ እዩ። ንሱ እግዚአብሔር እዩ። ሰብ ዝኮነ ናይ እግዚአብሔር ቃል ሓደ ኣካል ሓደ ገጽ ሓደ ባህርይ ከምዝኮነ ንኣምን። ከምኡ ውን መለኮት ካብ ትስብእት ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ እዩ። ንሱ ሓደ እዩ ንሱ ሰማያዊ እዩ ምድራዊ ውን እዩ። እግዚአብሔር ቃል ምስቲ ካብ እመቤትና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝወሰዶ ሥጋ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ደኣ እዩ እምበር። ከመይ ሰብ ዝኮነ ኣምላክ እዚ ሓደ እዩ። ከመይ ካብ ክልተ ሓደ ዝኾነ ንሱ እዩ። ምስ አብ ሓደ እዩ ከምዝበልናዮ ሥጋ ብምውሕሓዱ ውን ምስ ሰብ ሓደ እዩ ንብል። ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ውን ካብ ኮነ ብዘይምርመር ግብሪ ዝተወልደ ብሓቂ ቃል እግዚአብሔር እዩ። እዚ ውን ምስ ኩሉ ሓደ እዩ። ከም ዝበልክዎ እቲ ሰብ ዝኮነ እግዚአብሔር ቃል ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ እዩ ደኣ እምበር። ንሱ ብሓቂ ምስ አብ ሓደ እዩ። ሓደ ወልድ እዩ። እግዚአብሔር ቃል ውን እዩ። እግዚአብሔር ቃል ሓደ ጥራይ እዩ። እዚ ድማ ካብ ክልተ ባህርይ ሓደ ዝኮነ ማለት እዩ። አብ አብ እዩ ወልድ ወልድ እዩ መንፈስ ቅዱስ ውን መንፈስ ቅዱስ እዩ። ሰብ ዝኮነ ንሱ እግዚአብሔር እዩ። አብ ሓደ እዩ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ውን ሓደ እዩ ንሱ ድማ ካብ አብ ዝተረኽበ ሓደ ቃል እዩ። ምስ ሥጋኡ ውን ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ እዩ። ፈጺሙ ምስ ቃል ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ እዩ እምበር ሥጋ ካብ ቃል ፍሉይ ኣይኮነን። እቲ ዝተሰቕለ ካብ ሠለስተ አካላት ሓደ እዩ ምስኡ ውን ሓደ ዝኾነ እዚ ቃል ብዝተዋሓዶ ሥጋ ሞተ ምስ አብን ምስ መንፈስ ቅዱስን ሓደ ዝኮኑ መለኮት ግና ኣይሞተን። ከመይ ምስ ቃል ሓደ እዩ እምበር እቲ ሥጋ ካብ ቃል ፍሉይ ኣይኮነን። ክፍሊ ከምኡ ውን ናብ ንስጥሮስ ኣብ ዝጸሓፎ መልእክቱ ከምዚ በለ እግዚአብሔር ቃል ሰብ ስለዝኾነ ኩሉ ነቲ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ከምዝኮነ ዝተነግረ ንኣምን ኢና። ናይ ባህርይ ኣምላክ ዝኮነ ወልደ እግዚአብሔር ንሱ እግዚአብሔር ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ እዩ ኢልና ብጐይታና መጻ ዎ ሃይማኖተ አበው ዘቄርሎስ ም ድ ዘቄርሎስ ም እግዚአብሔር አብ ህልው ምስሌሁ ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣምን። ከምዚ እንተበልና ውንብሓቀኛ ተዋሕዶ ሓደ ከምዝኮነ ካብ ተዛረብኩም ነፍስን ሥጋን ወሲዱ ሰብ ዝኮነ ካብ እግዚአብሔር አብ ዝተረኽበ ቃል ወልድ ውን ሓደ እዩ ካብ በልኩም ብሓቂ ቃል ምስ ሥጋ ተሓዋዊሱ ድየዩ ወይሲ ባህርየ ሥጋ ናብ ባህርየ መለኮት ተለዊጡ ድዩ። ሓደ ወልድ ሓደ ከምዝኮነ ንዛረብ እምበር ከምቲ ኣቦታትና ሥጋ ዝወሰደ ቃል ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ እዩ» ዝበሉ እዩ። ሰብ ካብ ክልተ ሓደ ስለዝኮነ ሓደ እዩ እምበር። ንሳቶም ኣማኑኤል ካብ ክልተ ባህርያት ሓደ ባህርይ ካብ ኮነ ድኅሪ ተዋሕዶ ውን ሰብ ዝኮነ ባህርየ ቃል ሓደ ካብ ኮነ ብዘይጥርጥር ንሱ ብባህሪኡ ሓመመ ሞተ ክበሃል ይግባእ ይብሉ። ከምኡ ውን ሥጋ ዝተዋሓደ ቃል ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ካብ ኮነ እምበኣር ካብ ክልተ ባህርያት እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ ብምጉዳሉ ኮነ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ተወሳቢ ብምዉቧኑ ብዘይጥርጥር ብዘይ ይብሉ። ከምቲ ዝበሎ እዚ ሥጋ ዝኮነ ወልድ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ እዩ። እቲ ነፍስን ሥጋን ተዋሒዱ ሰብ ዝኮነ ቃል እግዚአብሔር አብ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ኣይኮነን ይብሉ። ንሱ ብሓቂ ቅድሚ ሥጋ ምልባሱን ምውሓዱን ንሱ ሓደ ጥራይ እዩ ሰብ ድኅሪ ምቧኑ ውን ንሱ ወዲ እግዚአብሔር አብ ኩሉ ሳዕ ሓደ እዩ። ንሱ ሓደ ናይ ባህርይ ኣምላክ እዩ እምበር። እምበኣር ሥጋ ሰብ ወሲዱ ዝተዋሓደ እግዚአብሔር ቃል ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ እዩ። ሰብ ዝኮነ ኣምላክ ንሱ እዩ ቃል ሥጋ ኮነ። እቲ ሥጋ ዝተዋሓደ ቃል ኣምላክ እዩ እግዚአብሔር ውን እዩ። ሰብ ዝኮነ እግዚአብሔር ቃል ሓደ ገጽ ሓደ ባህርይ እዩ። እዚ ሓደ ንሱ እዩ። ንሱ ምስ አብ ሓደ እዩ። ንሱ ሓደ ኣማኑኤል ካብ ክልተ ሓደ ዝኮነ እዩ እምበር። ሓደ ኣምላክ እዩ ሓደ መለኮት ውን እዩ ሓደ ባህርይ እዩ። ንሱ ኣምላክ እዩ ብተዋሕዶ ሰብ ዝኮነ ውን ንሱ እዩ። ከምኡ ውን መንፈስ ቅዱስ ካብቲ ናይ ወልድ መርከቢ ዝኮነ ካብ ኣካል አብ ካብ ባህርይ አብ ተረክበ እምበር ካብ ካልእ ኣካል ካብ ካልእ ባህርይ ዝተረኽበ ኣይኮነን። ከምኡ ውን ወልድ እግዚአብሔር እዩ። እዚ ድማ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ዝኮነ ሕያው ቃል ሰብ ኮነ ማለት እዩ። ድኅሪ ተዋሕዶ ውን ንሱ ሓደ ወልድ ሓደ ጐይታ ሓደ ክርስቶስ እዩ። ሓደ ወልድ ሓደ ጐይታ ሓደ ክርስቶስ ሓደ መልክዕ ሓደ ኣካል ሰብ ዝኮነ እግዚኣብሔር ቃል ሓደ ባህርይ እዩ ከምዚ ኢና ንብል። ካብ ሠለስተ ኣካላት እቲ ሓደ እግዚአብሔር ቃል ነፍስን ሥጋን ወሲዱ ምእንታና ሰብ ዝኮነ ሓደ ወልድ ሓደ ሃይማኖተ አበው ዲዮናስዮስ ም ጓ ዘዲዮናስዮስ ም ወተሰብአ በእንቲአነ ወተሰቅለ ጐይታ ሓደ ክርስቶስ ካብ ኮነ ካብ ኣ ጫ ። መለኮት ሓደ እዩ ሥልጣን ሓደ እዩ ሥራሕ ሓደ እዩ ፍቓድ ሓደ እዩባባህርየ መለኮት ሓደ እዩ። ሰብ ዝኮነ ናይ እግዚአብሔር ቃል ባህርይ ሓደ እዩ እምበር። ቃል ሰብ ምስ ኮነ ሓደ እዩ ቅድሚ ሰብ ምኳቧኑ ውን ሓደ እዩ። ሓደ ኣካል ካብ ሠለስተ ኣካላት ንሱ እዩ። ብሓቂ ሓደ ኣምላክ ሓደ መለኮት ሓደ ባህርይ እዩ። እቲ ሰብ ዝኾነ እግዚአብሔር ቃል ብተዋሕዶ ካብ ክልተ ሓደ ዝኮነ እዩ። ኣካላት ግና ናይ አብ ኣካል ካብ ናይ ወልድ ኣካል ፍሉይ እዩ ካብ ናይ መንፈስ ቅዱስ ኣካል ውን ፍሉይ እዩ። ፈ ው እቲ ሰብ ዝኮነ እግዚአብሔር ቃል ሓደ ክርስቶስ ሓደ ጐይታ ሓደ ገጽ ሓደ ኣካል ከምዝኮነ ብእኡ ንኣምን። ክልተ ኣካላት ሓደ ከምዝኮኑ ዘይዛረብ ካብ ሊቃውንቲ መን እዩ እቲ ሰብ ዝኮነ እግዚአብሔር ቃል ሓደ ባህርይ ሓደ ኣካል ከምዘይኮነ ብዘረባ ዝሰሓተ ከምኡ ውን ክልተ ባህርያት ከምዝኮነ ዝዛረብ ሰብ ንሱ እቲ ክልተ ኣካል ክልተ ባህርይ ዝበሎ ናብ እግዚአብሔር ቃል ሠለስተ ኣካላት ኣለውዎ» ንክብል ዘገድዶ ምኳኑ ይፍለጥ። ድማ ናይቲ ተዋሕዶ ዝፈጸመሉ ሥጋ ባህርይ ተባሂሉ ተፈልዩ ንእግዚአብሔር ክንገር ዝግባእ ካብ ኮነ ብግልጺ ውን ክልተ ጌሮም ካብ ዝቕጸርዎም ንትስብእት ውን ካብ ባህርይ እግዚአብሔር ካብ ፈለይዎ ብድንቀኑርና ልቦም ከኣ ሥጋ ብክብሪ ምስ መለኮት ሓደ ክከውን ኣይግብኦን እዩ ካብ በሉ እምበኣር ሓደ ናይ ሥጋ ካልኣይ ናይ ነፍሲ ሣልሳይ ድማ ናይ መለኮት ኢሉ ሠለስተ ጌሩ ሠለስተ ባህርያት ከምዘሎ ከም ክሕደት ዋሊጦስ ነቲ ሥግው ቃል ናብ ሠለስተ ይከፍልዎ ኣለዉ ማለት እዩ። እዚ ድማ ሓደ ኣካል እዩ። ው እቲ ሰብ ዝኮነ እግዚአብሔር ቃል ድኅሪ ሰብ ምቧኑ ሓደ ወልድ ሓደ ጐይታ ሓደ ክርስቶስ ሓደ ባህርይ ሓደ ገጽ ሓደ ኣካል እዩ። ከምቲ ብሓቂ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ዝኮነ ከምኡ ውን ሓደ ፍቓድ ሓደ ኃይሊ እዩ። ንሱ ውን ሎሚ ካብ ሠለስተ ኣካላት ሓደ እዩ። ብመለኮቱ ካብ እግዚአብሔር ዝተወልደ ንሱ ኩሉ ጊዜ ንሱ እዩ ብሥጋ ውን ካብ ሰብ ዝተወልደ ንሱ እዩ። እቲ ሰብ ዝኮነ እግዚአብሔር ቃል ሓደ ባህርይ እዩ እምበር። ኸኣ አብ እዩ ወልድ ውን ወልድ መንፈስ ቅዱስ ድማ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ንሕናስ እቲ ሥጋን ነፍስን ወሲዱ ፍጹም ሰብ ዝኮነ ቃል ሓደ ወልድ ሓደ ክርስቶስ እዩ ፍጹም ኣምላክ ከምዝኮነ ፍጹም ሰብ ውን እዩ ንብል። ንሕና ግና ሥጋ ዝተዋሓደ እግዚአብሔር ቃል ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ሓደ ገጽ እዩ ንብል። ነ ው ሩ ንሕናስ እቲ ካብ ክልተ ባህርያትን ክልተ ኣካላትን ሓደ ሰብ ዝኮነ ቃል ሓደ ባህርይ ሓደ ክርስቶስ ሓደ ጐይታ ሓደ ወልድ ሓደ ኣካል ሓደ ገጽ ክከውን ከሎ ንሱ እግዚአብሔር ኣምላክና ኣማኑኤል ከምዝበሃል ንኣምን። ንሱስ ብመለኮት ወዲ እግዚአብሔር እዩ ብሥጋ ወዲ ኣዳም እዩ ነዚ ሓደ ወልድ ነቲ ሓደ ዝሰገደሉ ነቲ ሓደ ኸኣ ዘይሰገደሉ ክልተ ባህርይ ኣለዎ ኣይንብልን ብዛዕባኡ ክንዛረብ ከሉና ሰብ ዝኾነ እግዚአብሔር ቃል ብዘይምኽፋል ሓደ ባህርይ እዩ ንብል ካብ ሥጋኡ ከይፈለና ውን ሓንቲ ሰግደት ንሰግድ እምበር ሓዋርያ ቅዱሰ ኣትናቴዎስ ነቲ ሓደ ናይ ባህርይ ኣምላኽ ንሰግደሉ እቲ ካልኣይ ከኣ ካብ ድንግል ማርያም ዝተረኽበ ዘይንሰግደሉ ዕሩቕ ብእሲ እዩ ተባሂሉ ናብ ክልተ ዝኽፈል ክልተ ኣይኮነን እኳ ደኣ ካብ እግዚአብሔር ዝተረኽበ እግዚአብሔር ወዲ እግዚአብሔር ውን እዩ። እግዚአብሔር ሓደ እዩ ባህሪኡ ኸኣ ሓደ እዩ መለኮት ውን ሓደ እዩ ንበል። ቅዱስ ባሰልዮስ ውን ጉይታና ኢየሱሰ ክርስቶስ ንሱ ከምቲ ሓደ ኣካል ሓደ ገጽ ሓደ ሥራሕ ዝኾነ ሓደ ባህርይ እዩ በለ። ብዛዕባ ናይ መድኅን ክርስቶስ ሰብ ምኳን ከምዚ ንብል እቲ ካብ ሠለሰተ ኣካላት ሓደ ኣካል ንሱ ድማ እግዚአብሔር ቃል ቅድሚ ኩሉ ዘመን ካብ አብ ዝተወልደ ፍቁር ወዱ ጉይታና ኢየሱስ ክርሰቶስ ካብ ሠለስተ ኣካላት ሓደ ከምዝኾነ ንኣምንን ንተኣማመንን ኢና። ብኸምዚ ኸኣ ጉይታና ኢየሱስ ክርሰቶሰ ካብ እመቤትና ድንግል ማርያም ሥጋ ወሲዱ እቲ ባህርየ ሥጋ ናብ መለኮት ምኺኳን ከምኡ ውን እቲ ባህርየ መለኮት ናብ ሥጋ ምኺን ከይተለወጠ ኣምላኽነትን ሰብነትን ካብ ዘለዎም ክልተ ባህርያት ናብ ሓደ ባህርይ ምኳን ምሰኡ ሓደ ገበር እቲ ቃል ዝተዋሓደ ሥጋ ውን ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ብምኳን ሥጋ እግዚአብሔር ኮነ ሕጂ ውን ንሕና በዚ ነገርዚ ኣብቶም ወገን ክርስቲያን ዝኾኑ ማኅበራት ካብ ብሉይን ሓዲሰን ንጽርን ርዱእን ፍሉጥን ዝኾነ ብዙኅ ምሰክር ከነምጽእ ኢና። ድኅሪ ሰብ ምኳኑ ውን እንተኾነ ንሱ ኣምላኽ እዩ እቲ ሥጋ ዘይነበሮ ቃል ካብ ወላዲት ኣምላኽ ቅድስት ድንግል እመቤትና ማርያም እትፈልጥን እትዛረብን ነፍሲ ዘለዎን ንኣና ዝመሰልን ሥጋ ወሰደ ንሱ ኣብ ማኅፀን ኣዲኡ ብዝተፈልየ ኣካሉ ምስ ሥጋ ሓደ ኾነ ንሱ ሓደ ጥራይ አየዩ ካብ ክልተ ባህርያት ማለት ካብ መለኮትን ትሰብአትን ሓደ ዝኾነ እዩ እዞም ፍጹማን መለኮትን ትሰብእትን ሓደ ኾኑ። ክፍሊ ካብ ናይ እስክንድርያ ሊቀ ጳጳሳት ኣቦና ኣባ ኣክርሰቶዶሉስ ዝጸሓፎ መጽሓፈ ተዋሕዶ ክፍሊ እቲ ክንሰግደሉ ዝግባእ ምሰ አብን መንፈሰ ቅዱሰን ውን ሓደ ዝኾነ ካብ ሠለሰተ ኣካላት ሓደ ኣካል ንሱ ሓደ እግዚአብሔር ቃል ብግብሪ መንፈሰ ቅዱሰ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ብፍቓዱ ሰብ ከምዝኾነ ንኣምንን ንተኣማመንን ናብ ሥጋ ምኺን ኣይተለወጠን ንሱ ካብ ኩሉ ናይ ባህርይ ምልዋጥን ምልቃቕን ዝረሓቐ እዩ ። ምኽንያቱ ንሱ ኣምላኽ ብተዋሕዶ ሥጋ ኮይኑ እዩ ከምኡ ውን እትፈልጥን እትዛረብን ነፍሲ ዘለዎ ኮይኑ እዩ ምሳና ኸኣ ሓደ ኮይኑ እዩ ሓደ ባህርይ ሓደ ኣካል ብምኺኳን ተዋሓደ ድኅሪ እቲ ዘይምርመር ተዋሕዶ ድማ ናብ ክልተ ባህርይ ናብ ክልተ ኣካል ኣይንኸፍሉን ኢና። ድኅሪ እቲ ዘይንገርን ዘይምርመርን ተዋሕዶ ክልተ ባህርይ ክልተ ኣካል ዝብል እንተሉ ንሕና ምስ መናፍቓን ኢና ንቹቐጽር ንሕና ግና እቲ ኣብ ማእከላይ ዘመን ካብ ድንግል ማርያም ሰብ ዝኾነ ሓደ እዩ ምስ አብ ሓደ ዝኾነ ወልድ ቃል ንሱ ሓደ ባህርይ ሓደ ፍቓድ ሓደ ሥራሕ ብምኻን ሰብ ኮነ ንብል ። ንኣካላት ውን ንነፍሲ ወከፎም አብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ንብለሉ ጊዜ ብዛዕባ እቲ ዘይክፈል ባህርይ ኢና ንዛረብ ዘሉና ባህርይ ናይ ፍሉያት ዝኾኑ ሠለሰተ ኣካላት ውን ሓደ እዩ ኣካላት ገጻት ሠለሰተ እዮም ባህርይ ግና ሓደ እዩ መንግሥቲ ውን ሓደ እዩ ጉይትነት ሓደ እዩ ክብሪ ውን ሓንቲ እያ እናበለ የረድእ ። ከምኡ ውን ከምቲ እትፈልጥን እትዛረብን ነፍሲ ምስ ሥጋ ሓደ ዝኾነት ሓደ እዩ እምበር ሥጋ ምስ ወሰደ ካብቲ ቅድም ዝነበር ባህርይ ኣይተለወጠን ድኅሪ ተዋሕዶ ፍጹም ምፍላይ የብሉምን ልብና ነቲ ናቱ ተዋሕዶ ተረዲኡ ሓደ ባህርይ ሓደ ኣካል ሓደ ገጽ እኳ እንተበለ እዚ ነቲ እግዚአብሔር ቃል ሰብ ምኳኑ ማለት ሥጋ ምውሓዱ ዝኸልእ ኣይኮነን እንተኾነ ግና ናብቲ ሓደ ገጽ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ብምኳኑ ካብ ሓደ ዝኾኑ ክልተ ባህርያት ሓደ ምኳኑ ክንፈልጥ ብምሰትውዓል ንቐልጥፍና ዝዛረብ እንሰሳ ይበሃል እዚ ድማ ፍጹም ሰብ ማለት እዩ። ክፍሊ ብዛዕባ ክርሰቶስ ንሱ ከምዝልወጥን ባህሪኡ ከምዝኃድግን ዝዛረብ ንሱ ብመለኮቱ ካብ ምልዋጥን ባህሪኡ ካብ ምልቃቕን ዝረሓቐ እዩ ከምኡ ውን ከምቲ ዝተጻሕፈ ሥጋኡ ዘይልወጥ ከምዝኾነ ዘይኣምን እንተሉ ውጉዝ ይኹን ትርጓሜ ከመይ ኢሉም ነዚ ሓደ ክርሰቶሰ ይልወጥ እዩ ባህሪኡ ይለቅቕ እዩ ይብልዎ ንሱ ጉይታና ኣነ ዘይልወጥ ኣምላኽ እየ ይብል ከምኡ ውን ንነፍሱ ኣብ ሲኦል መቓብር ኣይኃደገን ሥጋኡ ውን ሙሰና መቓብር ኣይረኣየን ተባሂሉ ተነጊሩ እዩ መዝ « ግብ ሓዋ ክፍሊ ብዛዕባ ክርሰቶስ ሥጋ ናብ ሓደ ወገን ፍሉይ ከምዝኾነ እግዚአብሔር ቃል ውን ንበይኑ ናብ ሓደ ወገን ከምዝኾነ ገይሩ ዝዛረብ ከምኡ ውን ከምቲ ዝተጻሕፈ ኸኣ ጉይታና ኢየሱሰ ክርሰቶሰ ሓደ እዩ ኢሉ ዘይኣምን ሰብ እንተሉ ውጉዝ ይኹን ትርጓሜ ንሱ ጉይታና ነቲ ካብ ኣቦይ ብህልውና ዝሰማዕክዎ ሓቂ ንዝነግረኩም ናይ ባህርይ ኣምላኽ ንኣይ ሰለምንታይ ኽትቐትሉሌኒ ትደልዩ ይብል ከመይ ኢሉም ንሓደ ክርሰቶሰ ዕሩቅ ብአሲ ነንበይኑ ዝተፈላለየ እዩ ይብልዎ እምበኣር ምእንታና ብፍቓዱ ንርእሱ ብሥጋ ንሕማምን ሞትን ዝሃበ ንሱ እግዚአብሔር እዩ እምበር ምእንታና ሰብነቱ ኣኅሊፋ ንሕማምን ሞትን ዝሃበ ዕሩቅ ብአሲ ኣይኮነን ሰለዚ እዩ ውን ንሱ ጉይታ ነዚ ቤት መቅደሰዚ ኣፍርሰዎ ኣነ ብሣልሳይ መዓልቲ ከተንሥኦ እየ ዝበለ እዚ ዝበለ ብዛዕባ ሥጋኡ እየዩ ዮሓ ። ክፍሊ እቲ ዝሓመመ ካልእ እዩ ሕማም ዘይብሉ ኸኣ ካልእ እዩ ዝብል ከምኡ ውን ከምቲ ዝተጻሕፈ እቲ ዘይሓምም እግዚአብሔር ቃል ብዘይልወጥ ሥጋ ከምዝሓመመ ዘይኣምን እንተሉ ውጉዝ ይኹን ትርጓሜ ባዕሉ ንሱ ጉይታና ወልደ እጓለ እመሕያው ክርሰቶሰ ብዙኅ መከራ ኪኝበል ኪመውት ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ኸኣ ኪትንሥእ እዩ ይብል ደጊሙ ኸኣ ወልደ እኋጓለ እመሕያው ክርሰቶስ ብየማን ኣቦኡ ተቐሚጡ ኪትርእይዎ ኢኹም ይብል ከምኡ ውን ወልደ እጓለ እመሕያው ክርሰቶሰ ብጉይትነት ኣቦኡ ኪመጽእ እዩ እናበለ ከመይ ኢልካ እቲ ዝሓመመ ካልእ እዩ እቲ ሕማም ዘይብሉ ኸኣ ካልእ እዩ ይበሃል ማቴ ክፍሊ እቲ ዓለም ከይተፈጥረ ዝተወልደ ወልደ እግዚአብሔር ካልእ እዩ እቲ ካብ እመቤትና ቅድሰት ድንግል ማርያም ዝተወልደ ኸኣ ካልእ እዩ ዝብል ከምኡ ውን እቲ ቅድሚ ፍጥረት ዓለም ዝነበረ ንሱ ባዕሉ ከምዝኾነ ቀዳማዊን ደኃራዊን ንሱ ሓደ በይኑ ከምዝኾነ ከምቲ ዝተጻሕፈ ውን ኣብ ዳኅራይ ዘመን ካብ ድንግል ማርያም ሥጋ ዝወሰደ ንሱ ከምዝኾነ ዘይኣምን እንተሎ ውጉዝ ይኹን ትርጓሜ ንሱ ጉይታ ብቓሉ ኣብርሃም ከይተወልደ ኣነ ነበርኩ ይብል። ክፍሊ እግዚአብሔር ቃል ከም ዕሩቅ ብአሲን ከም ሓደ ካብ ነቢያትን ጸጋ ተቐበለ ዝብል ከኡ ውን ካብ ድንግል ነፍሰን ሥጋን ከምዝወሰደ ወሲዱ ውን ከማና ፍጹም ሰብ ከምዝኾነ ኣብ ቤተልሔም ከምዝተወልደ ኣብ ናዝሬት ኸኣ ከም ሕፃናት በብንእሸቶ ከም ዝዓበየ ዓመት ምስ ኣኸለ ድማ ኣብ ዮርዳኖስ ከም ዝተጠምቀ ከምቲ ዝተጻሕፈ ውን አብ እቲ ዝፈትዎ ወደይ እዚ እዩ ኢሉ ከምዝመሰከረሉ ዘይኣምን እንተሉ ውጉዝ ይኹን ትርጓሜ ከመይ ኢሉም ንክርስቶስ ዕሩቅ ብአሲ እዩ ካብ ነቢያት ውን ከም ሓደ እዩ ይብልዎ ንሱ ጉይታና ግና ካብ ድንግል ነፍሰን ሥጋን ወሲዱ ሰብ ኮነ። ሰብ ብምኳኑ ወዲ ሰብ ተባሀለ ንሱ ክርሰቶሰ ድማ ዳግማዊ ኣዳም ነቲ ቀዳማዊ ኣዳም መድኃነቱ ሰለዝኾነ ንኽድኅኖ ወረደ ብምባል ሰለ ርአሱ መሰከረ ክፍሊ እቲ ሥጋ ክርስቶሰ ካብ ሰማይ እዩ ምሰ መለኮቱ ውን ብቕድምና ዝነበረ እዩ ዝብል ከምኡ ውን ሰብ ብኣምሳል እቲ ብቕድምና ዝነበረ እግዚአብሔር ከምዝተፈጥረ ዘይኣምን ቃል ውን ብዳኅራይ ዘመን ብፍቓዱን ብፍቓድ ኣቦኡን ብፍቓድ መንፈስ ቅዱሰን ርእሱ ኣትሒቱ ሰብ ከምዝኾነን ከምቲ ዝተጻሕፈ ናይ ግዙእ ኣዳም ባህርይ ከምዝወሰደን ዘይኣምን እንተሉ ውጉዝ ይኹን ትርጓሜ ከመይ ኢልካ ሥጋ ድኅሪ ዘመን ዝተረኽበን ምሰ መለኮት ብቕድምና ዝነበረን እዩ ይበሃል መለኮት ቅድሚ ፅለትን ዘመንን ዝነበረ እዩየ ሥጋ ግና ብሓድነቱ ንዝነበረ ቃል ምሰቲ ዘይልወጥን ዘይናወጽን ባህርየ መለኮቱ ተዋሓደ ይበሃል ክፍሊ እቲ ክርሰቶስ ዝወሰዶ ሥጋ ዘይተፈጥረ እየዩ ዝብል ከምኡ ውን ፍጡር ዘይኮነ እግዚአብሔር ቃል ነቲ ፍጡር ሥጋ ከምዝተዋሓደን ከምቲ ዝተጻሕፈ ብዘይ ኃጢኣት ካብ ባህርየ ሰብ ሥጋን ነፍሰን ወሲዱ ከማና ፍጹም ሰብ ከምዝኾነን ዘይኣምን ሰብ እንተሉ ውጉዝ ይኹን ትርጓማሜ ከመይ ኢልካ ሥጋ ዘይተፈጥረ እዩ ይበሃል ኩሉ እቲ ዘይተፈጥረ ባህርይ ሕማም የብሉን ኣይድኅሠሥን ኣይፍተንን እዩ ክርሰቶስ ግና ካብ ምዉታን ተፈልዩ ምስ ተንሥአ ንደቀ መዛሙርቱ ዝተሸንከረ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ዝተወግአ ጉድኑ ኣርኣየ። ክፍሊ መድኃኒና ዝተዋሓዶ ሥጋ ካብ ሰማይ ዝመጸ እዩ እምበር ካብ ድንግል ማርያም ዝተረኽበ ኣይኮነን ዝብል ነቲ ፍጡር ውን ኣይተፈጥረን ዝብሉ ከም ኩሉ ፍጥረት ውን ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር መጸ ዝብል እንተሎ ውጉዝ ይኹን ከምኡ ውን ብዛዕባ እቲ እግዚአብሔር ቃል ዝወሰዶ ሥጋ ውን ነቲ ፍጡር ዘይኮነ ኣምላክ ሰለዝተዋሓደ ናይ ኣምላክ ሥጋ እዩ ሰለዚ ድማ ንእግዚኣብሔር ቃል ካብ ሥጋኡ ከይፈለና ሓንቲ ሰግደት ክንሰግደሉ ይግባእ። ንሱ ሓደ ወልድ እየ ብባህርየ መለኮቱ ምስ ኣቦኡ ማዕረ ዝኾነ ፍጹም ኣምላኽ በዚ ውን ፍጹም ሰብ ሓደ ንሱ ጥራይ አየዩ በቲ ካብ ድንግል ዝተወልዶ ልደት ውን ብሥጋ ምሰ ባህርየ ሰብ ብባህሪኡ ሓደ ዝኾነ ንሱ ኩሉ ሳዕ ሓደ እዩ ። ኪሥ ክፍል እመቦ ዘኢይሰግድ ለዘተሰቅለ ውጉዘ ለይኩን ወይትኙለቀ ምሰለ ሰቃልያነ አምላክ ክፍሊ እቲ ካብ ድንግል ዝተወልደ እግዚአብሔር ቃል ኣይኮነን ዝብል እንተሎ ውጉዝ ይኹን ክፍሊ እቲ ሓደ ወዲ እግዚአብሔር እቲ ሓደ ኸኣ ወዲ ማርያም ብምባል ክልተ ወልድ ዝብል እቲ ካብ እግዚአብሔር ዝተወልደን ካብ ድንግል ማርያም ዝተወልደን ሓደ ኣይኮነን ዝብል እንተሉ ካብቲ እግዚአብሔር ንፈተውቱ ዝነገርም ውልድነት ይፈለ ንሕና ክርሰቶሳውያን ግና እቲ ብተዋሕዶ ሰብ ዝኾነ ኣምላኽ ብሓቂ ባህሪኡ ሓደ እዩ ኣካሉ ሓደ እዩ ገጹ ሓደ እዩ ነፍስን ሥጋን ኣለዎ ክንብል ይግባእ ክልተ ባህርያት ክልተ ኣካላት ክልተ ኣምላኽ ከምኡ ውን ነፍሰን ሥጋን ሰለዘለዎ ኽልተ ሰብ ኣይበሃልን እዩ። እቲ ዘይረአ ንሱ ምሰቲ ዝርአ እቲ ዘመን ዘይቀጸረሉ ምስቲ ዘመን ዝኞጸረሉ ሓደ ዝኾነ ንሱ ሓደ እዩ እቲ ከይተለወጠ ሰብ ዝኾነ እግዚአብሔር ቃል ሓደ ባህርይ ሓደ ኣካል ሓደ ገጽ እዩ እምበር ክልተ ኣይኮነን ። ክፍሊ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርሰቲያን ዝሥዋዕ ሥጋ ክርሰቶስ ምትሓት እዩ እምበር ሓቀኛ ሥጋኡ ኣይኮነን ዝብል ከምኡ ውን ብሓቂ ሥጋ እግዚአብሔር እዩ ምትሓት ኣይኮነን ንሱ ብሥጋ ሓማሚ ብመለኮት ግና ሕማም ኮነ ሞት ዘይብሉ ቅዱስ እዩ ንሱ ኣይሓምምን ኣይመውትን እዩ ሕይወት ዝዕድል ነቶም ዝቕበልዎ ውን ዘኽብሮም ንሱ እዩ ዘይብል እንተሉ ውጉዝ ይኹን ። ሙ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ነቶም ካብ ትምህርቲ ናይታ ሓዋርያት ዝኣከብዋ ቅድሰት ቤተ ክርሰቲያን ወቂኦም ሃይማኖት ዝልውጡ ሰባት እዚ ናይ መጀመርታ ግዝት ተገብረ ንሕና ክርሰቶሳውያን ግና ብቅንዕቲ ሃይማኖት ኣማኑኤል ኣምላኽ ከምዝኾነ ንኣምን በዚ ኸኣ ድንግል ወላዲት ኣምላኽ ተባህለት ክፍሊ እቲ ካብ አብ ኣካል ዘእምአካል ባህርይ ዘእምባህርይ ተወሊዱ ዝመጸ ኣምላኽ ቃል ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ሓደ ገጽ ብምኳን ምስ ሥጋ ሓደ ከምዝኾነ ክርሰቶሰ ውን ምሰቲ ዝወሰዶ ሥጋ ሓደ ከምዝኾነን ብተዋሕዶ ሰብ ዝኾነ ኣምላክ ከምዝኾነን ዘይኣምን እንተሉ ውጉዝ ይኩን ትርጓሜ ናይቲ ካብ መንፈስ ቅዱሰ ዝተረኽበ ምሥጢር በዓል ቤት ዝኾነ እዚ ብፁዕ ጳውሎስ ውን ብግልጺ ከምዚ እናበለ ጸሓፈ ለውሃቱ ንምግላጽ ዝገበሮ ሥጋዌ ግሩም እአእየዩ ብሥጋ ዝተገልጸልና ንሱ እዩ ብመንፈሰ ቅዱስ ተፈልጠ ንመላእኽቲ ተገልጸ ኣብ መንጎ ኣሕዛብ ብሰሙ መሃሩ ኩሉ ሰብ ኣመና በቲ ዝተገልጸሉ በዚ ሥጋ እዚ ድማ ብኽብሪ ዓረገ ። ምኽንያቱ እቲ ዘይክፈል ተዋሓደ ነቲ ዘይረአ ውን ርኣይዎ ነቲ ዝወሰዶ ሥጋ ምሰኡ ሓደ ገበሮ ካብ ዝርአ ሥጋ ውን ኣይተፈልየን ካብታ ወገንና ዝኾነት እመቤትና ቅድሰት ድንግል ማርያም ወሲዱ ተዋሓደ እምበር ከምዚ ሓደ ኢሉም ዘይኣምኑ ግና እቲ ሓድነት ኅብረት ክብሪ ጥራሕ እዩ ይብሉ ከምዝበልና ነቲ ናይ ጉይታና ኢየሱስ ክርስቶሰ ሓደ ባህርይ ድኅሪ ተዋሕዶ ናብ ክልተ ባህርይ ናብ ክልተ ኣካል ይኸፍልዎ ግዘት ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ኩሉ ጊዜ ክልተ ኣካል ክልተ ባህርይ ዝብሉ ሰባት ጽኑዕ ክኸውን ከሉ ካብቲ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ኢሉ ዝኣምን ግና ርሑቕ እየዩ ዉ ደ። ኣምላኽ እንከሉ ከማና ሰብ ኮይኑ ኣብዚ ዓለምዚ ተገልጸ እምበር ወልድ ዋሕድ ሓደ ባህርይ ሓደ ኣካል እዩ ካብ ንጽሕት ድንግል ማርያም ብዘይ ዘርአ ብእሲ ሥጋ ወሲዱ ሰብ ኮነ እምበር ንሱ ኣምላኽ ተለዊጡ ሰብ ዝኾነ ኣይኮነን። ትርጓሜ ጉይታና ኢየሱስ ክርሰቶሰ ሓደ ናይ እግዚአብሔር አብ ናይ ባህርይ ወዱ እዩ እቲ ቃል ሥጋ ኮነ ንኹሉ ውን ፈጢሩ ዝገዝእ እዩ። ንሱ ንኩሉ ሕይወት ዝዕድል እዩ ካብ ኩሉ ምልዋጥን መከራን ርሑቕ አዩ እቲ ካብ እግዚአብሔር አብ ተወሊዱ ዝመጸ ቃል ምስ አብ ሓደ እዩ እምበር እዚ ባህርይ እዚ ካብ ባህርየ አብ ዝተፈልየ ኣይኮነን። ሃይማኖተ አበው ስምዓት ም ስምዓት ም ምዕራፍ ክፍል ዘእመጻሕፍተ አበው ቅዱሳን እለ ይከውኑ ሰምዐ በእንተ ትሥጉተ እግዚአብሔር ቃል ይቤ ቄርሎስ ርእሰ ኤሏሰ ቆጾሳት ዘእለ እሰክንድርያ ተሠገወ ክርሰቶሰ በደኃሪ መዋዕል በአንተ መድኃኒትነ እመንፈሰ ቅዱሰ ወእማርያም ድንግል በኩሉ ጊዜ ነሥአ እምኔሃ ሥጋ ዘይትዔረየነ ዘቦቱ ነፍስ ነባቢት ወለባዊት ወኢጸንዐ እምቅድመ ይትዋሐድ እግዚአብሔር ቃል ቦቱ እምውሰተ ከርሠ ድንግል ወሶበ ኮነ ከመዝ እፎኑ ኮነ ይትበሀል ቃል ሥጋ ኮነ ወካዕበ ይቤ እፎኑ ይጸንዕ ሥጋ ዘተፈጥረ ወዓዲ ይቤ ንሕነሰ ንቤ በእንቲአሁ እሙነ ፈጠረ ሉቱ ሥጋ በውሰተ ከርሠ ድንግል ወካዕበ ይቤ እሰመ ሥጋሰ ሥጋ ውእቱ ወኢኮነ መለኮተ ወቃልሂ አምላክ ውእቱ ወአኮ ሥጋ ወእመሰ ኮነ ሥጋ እግዚአብሔር ወለእመሂ ረሰየ ሉቱ ሥጋ በሥርዓት ዘሠርዐ ለርእሱ ውእቱሰ አምላክ ወካዕበ ይቤ በውሰተ ቱወቱ ግዘት እመቦ ዘኢይትአመን በቃለ እግዚአብሔር ከመ ውእቱ ሐመ በሥጋ ወተሰቅለ በሥጋ ወጥዕመ ሞተ በሥጋ ወኮነ በኩረ ለዘተንሥአ እሙታን በከመ ጽሑፍ ውጉዘ ለይኩን ወካዕበ ይቤ እሰመ ዘሐመሰ መድኅነ ዓለም ውእቱ ወኢይደሉ ይሕምም ውእቱ በህላዌ መለኮት ባሕቲቱ ወባሕቱ ቃል ዘተወልደ እምእግዚአብሔር አብ ኮነ ሥጋ ወሐመ ቦቱ ወበእንተ ዝንቱ ረሰየ ምግባራተ ሥርዓተ ሥጋ በምግባር ዘይሜኒ ወይእዜኒ ደለዎ ከመ ይሕምም በሥጋ ዘረሰየ ሎቱ ለባሕቲቱ ወካዕበ ይቤ ኢሐመ እግዚአብሔር ቃል በሀላዌ መለኮቱ በተቀሥፎሂ ወበተቀንዎ ቅንዋት ወእለ ተረፋ ሕማማት እሰመ መለኮትሰ ኢሐማሚ ወኢመዋቲ ወኢኮነ ሥጋ ወባሕቱ በሥጋ ዘነሥአ ሉቱ ለሊሁ ውእቱ ዘሐመ በእንቲአነ ወዓዲ ንሕነሰ መሚሐውያን ንብል ሐመ በሥጋ እንተ ዘለብሶ ክርሰቶስ እሰመ መለኮትሰ ኢሐማሚ ውእቱ ወካዕበ ይቤ እሰመ ሐራ ጥቃ ዐላውያን ቀደምት ኮኑ ይብሉ በዕበዶሙ ውእቱ ነሥአ ከምኡ ድማ ኣብቲ ደጊሙ ውን ምዕራፍ ክፍሊ ካብቶም ብዛዕባ ናይ እግዚአብሔር ቃል ሰብ ምኳን ዝምሰክሩ ቅዱሳን ኣበው ዝጸሓፍዎም መጽሓፍቲ ዝተዋጽአ ክፍሊ እዩ ናይ እስክንድርያ ሊቀ ጳጳሳት ቅዱስ ቂርሎስ ከምዚ በለ ክርሰቶስ ኣብቲ ዳኃረዋይ ዘመን ካብታ ኩሉ ጊዜ ድንግል ዝኾነት ማርያም ብግብሪ መንፈሰ ቅዱስ ንኣና ንምድኃን ሰብ ኮነ ንኣና ዝመሰል እትፈልጥን እትናገርን ነፍሲ ዘለዎ ሥጋ ካብኣ ወሰደ ቅድሚ እግዚአብሔር ቃል ኣብ ማኅፀነ ድንግእለ ምውሓዱ ሥጋ ኣይተቀርጸገ ከምዚ እንተዝኸውን ደኣ ከመይ ኢልካ ቃል ሥጋ ኮነ ምተባህስለ ከምኡ ውን ከመይ ኢሉ ፍጡር ሥጋ ኣቐዲሙ ይቕረጽ በለ። ደጊሙ ውን ንሕናስሰ ብዛዕባኡ ኣብ ማዝን ድንግል ዝወሓዶ ሥጋ ፈጠረ ንብል በለ ከምኡ ውን ከምዚ በለ እቲ ሥጋ ሥጋ አዩ መለኮት ኣይኮነን ቃል ውን ኣምላኽ እዩ ሥጋ ኣይኮነን ዋላ እኳ እግዚአብሔር ሰብ እንተኾነ ከምኡ ውን በቲ ንርእሱ ዝገበሮ ተዋሕዶ ንሥጋ ገንዘብ እንተገበረ ንሱስ ኣምላኽ እዩ ። ወዓዲ ኢንብል ከመ ውእቱ ዘአንበለ ነፍሰ ወኢልቡና ወባሕቱ ነአምን ከመ ዱ ህላዌ ውእቱ እግዚአብሔር ቃል ዘተሠገወ ወካዕበ ይቤ በሥጋ ዘነሥአ ሎቱ ከመ ይኩን መድኃኔ ኩሉ ፍጥረት ሐመ ወሞተ ወውእቱ ክመ ውእቱ ወኢተወለጠ መለኮት ምንተኒ ፍጽመ ወካዕበ ይቤ ወባሕቱ እሰመ ግብርሰ ክሥት ውእቱ ከመ ለሊሁ ክመ ውእቱ ዘይነብር ላዕለ ጳዱ መንበር ምስለ አቡሁ በጳዱ ህላዌ ወተቀብዐ ምሰሌነ ከመ ሰብእ ሶበ ተሠገወ ወኮነ ደ ምሰለ ሥጋ ዘቦቱ ነፍሰ ነባቢት ወለባዊት ወካዕበ ይቤ ቃለ እግዚአብሔርሰ ኢሐማሚ ወኢመዋቲ ውእቱ በህላዌ መለኮቱ በከመ ከምኡ ውን ፈጠረ እዚ ድማ እቲ ንክዋሓዶ ካብ መለኮቱ ዝፈጠሮ ሥጋ እዩ ይብሉ ንሕና ግና ኩሉ ጊዜ ዘብርሁልና እግዚአብሔር ዝተዛረቦ ቃል ቅዱሳት መጻሕፍቲ ተኸቲልና ካብ ወላዲት ኣምላኽ ቅድሰት ድንግል ማርያም ሥጋ ፈጢሩ ተዋሓደ ንብል በለ ከምኡ ውን ናይ ሥጋ ሕግም ደኣ ተነግረሉ እምበር ዘይሓምምን ዘይመውትን ከምዝኾነ ብእግዚአብሔር ቃል ከምዚ እናበልና ንኣምንን ንተኣማመንን ናይዞም ክርሰቶስ ሓደ ዝኾነሉም መለኮትን ትሰብእትን ባህርያት ብዘይ ምትሕውዋስ ከም እንፈልጦ መጠን ፈጺሙና ኣይንኸፍሉምን ድኅሪ ተዋሕዶ ውን ክልተ ባህርያት ኣይንብል። ከምኡ ድማ ነቲ ናይ ባህርይ ኣምላኽ ዝገበሮ ሥጋኡ ካብ ንጽሕት ድንግል ደኣ ወሰዶ እምበር ካብ ባህርየ መለኮቱ ኣይፈጠርን ናይ ሰብ ሥጋ ምስ ዝዋሓድ እዩ እምበር ብዘይ እዚ ደኣ ከመይ ኢሉ ሰብ ክኸውኙ ንሕና ነቲ ናይ ሥጋ ነገር ንፈልጦ ኢና ክርሰቶስ ካብ ክልተ ባህርያት ሓደ ምስ ዝኸውን እምበኣር እንሆ ባህርያት ነሓድሕዶም ተዋሓዱ ብዘይምልዋጥን ብዘይምትሕውዋሰን ብዘይምፍልላይን ሓደ ባህርይ ኮኑ ንብል ኣሉና ሥጋ ውን ሥጋ እዩ እምበር ተለዊጡ መለኮት ዝኾነ ኣይኮነን። በዚ ድማ ንሕና ንሱ ሓደ ወዲ ንኣቦኡ እዩ እሞ ካብ ሥጋኡ ከይፈለየ ሓንቲ ሰግደት ንሰግደሉ በለ ከምኡ ድማ ምሰቲ ፍጡርን መዋትን ዝኾነ ሥጋ ሓደ ኣካል እዩ እምበር ሥጋ ከይተዋሓደ ብባህርየ መለኮትቱ ኣይሓመመን በቲ ዘይምርመር ተዋሕዶ ብግብሪ መንፈስ ቅዱስ ሰብ ኮይነ ካብ ንጽሕት ድንግል ዝተወልደ ንሱ ብሥጋ ኣብዚ ዓለምዚ ተገልጸ ሓደ ወልድ ተባህለ ንሱ ወልድ ብባህርየ መለኮቱ ምስ አብ ሓደ ከምዝኾነ ብሓቂ ናይ ባህርይ ኣምላኽ ከምዝኾነ ብእኡ ንኣምን ። ንሱ ሰብ እዩ ኣምላኽ ውን እዩ። ግና ካልእ ኣይኮነን ንሕና ነቲ ከምዚ ዝበለ ጽሉእን ንቐፍን ዘረባ ክንዛረብ ኣይግባኣና እዩ በለ ደጊሙ ድማ እዚ ቅዱሰ ቄርሎስ ካብ ቃል እቲ ሓድነትን ሠለሰትነትን ዝተናገረ ጎርጎርዮስ ጠቂሱ ክዛረብ ከሎ ከምዚ በለ ንሱ ብሥጋ ሓመመ ብመለኮት ግና ኣይሓመመን ብሥጋ ይውሰን እዩ ብመለኮት ግና ኣይውሰንን ንሱ ኩሉ ጊዜ ኣብ ሰማይን ምድርን ዘሉ እዩ ይርአ እዩ ኣይረአን ድማ እዩይከኣል እዩ ኣይከኣልን ውን አዩ ግናኸ ኩለንትናኡ ፍጹም ሰብ እንከሉ ንሱ ርእሱ ፍጹም ኣምላኽ እዩ ነቲ ኣብ ኃጢኣት ወዲቹ ዝነበረ ኣዳም ብፍጹም ሰብነት ከም ብሓድሸ ሓዲሱ ናብቲ ቀዳማይ ርሰቱ መለሶ ከምኡ ውን ኣብዚ ዓንቀጽዚ ሰብ ፈጠረ ብድኅርዚ ኣብኡ እግዚአብሔር ኃደረ ዝብል እንተሉ እዚ ሰብዚ ካብ ውልደነት ዝተፈልየ ደኣ እዩ እምበር ካብ እግዚአብሔር ዝተወልደ ኣይኮነን ። ሥጋ ውን ገንዘብ እግዚአብሔር ምስ ኮነ ዘይተፈጥረ ዘይረአ ዘይድኅሠሥ ምእንቲ ክኸውን ቃል ካብ ሥጋ ኣይተፈልየን ከምኡ ድማ ክርሰቶሰ ሓደ እዩ ሰብ ዝኾነ እግዚአብሔር ቃል ካብ ክልተ ባህርያትን ካብ ክልተ ኣካላትን ሓደ ባህርይ ሓደ ኣካል ሓደ ገጽ ኮነ በለና ደጊሙ ውን ከምዚ በለ ሰብ ዝኾነ ሓደ እዩ ፈጣሪ ምስ ፍጡር እቲ ዝድዘሥ ምሰቲ ዘይድኅሠሥ እቲ ዘይረአ ምስ ዝረአ ብተዋሓደ ሓደ ሰለዝኾነ በዚ ሓደ ምኳኑ ምእንቲ ክፍለጥ እዩ ሰለዚ ድማ ንመለኮትን ትሰብእትን ዝግባእ ይሥሠርሕ። ብመለኮቱ ምስ አብ ሓደ እዩ ንኣና ውን ሰብ ብምኻኑ ይመሰለና እቲ ፍጹም ሰብ ዝኾነ ሓደ እዚ እዩ። ዋላ ውን ሰብ እንተኾነ ብባህርይ ክብሩ ከበረ ንሱ ርአሱ እግዚአብሔር ኣምላኽ እዩ እቲ ሥጋ ትሑትን ሕጹጽን ዝተዋረደን ሰለዝኾነ ግና ልዕል በለ ተባሂሉ ተነግረሉ ልዕሊ ኩሉ ዝኾነ ሰም ውን ንሱ ባዕሉ ሃቦ ተባህለ እዚ ድማ ኣምላኽ ብምኑ ንኣና ናብቲ ንሱ ዘለዎ ምእንቲ ከቕርበና በቲ ናይ ባህርይ ተዋሕዶ ዝኾነ እዩ በለ ከምኡ ውን ኣብቲ መጽሓፈ መዝገብ ከምዚ በለ እግዚአብሔር ቃል ሥጋ ኮነ እቲ ሥጋ ዝፈጠረ ድማ ንኹሉ ጉይታ ምእንቲ ኽኸውን ሰብ ፈጠረ ናይቲ እግዚአብሔር ዝሓሰቦን ዝገበርን ጀማሪኡ ሓደ እዩ።