Detecting...
Please whitelist dirzon to continue.
ኩላትና ፌሚኒስታተ ንኹን ብ ቺማማንዳ ኒጎዚ ኣዲቼ ትርጉም ደስታ ጊመድህን አኮሎማ ካብ ዝፈትዎም ናይ ቁልዕነት መሓዙተይ ሓደ እዩ። ተዋዛይን በሊሕን እዩ። ከምዚ ንሓደ ሰብ ግብረ ራዕዲ ትድግፍ ኢኻ ከትብሎ ከለኻ አትጥቀመሉ ዓይነት ድምጸት እዩ ነይርዎ። ከምዘይፈለጥኩዋ ኦኮሎማ ከፈልጥ ግን ኣይደለኹዎን። ናብ ገዛይ ምስተመለስኩ ፈለማ ዝገበርኩዎ ነገር ግን መብዛሕትኡ መዝነት ሓላፍነት ብደቂ ተባዕትዮ ዝተትሓዘ እዩ። ብሓፈሻ አንተወሲድና ደቂተባዕትዮ ኣካላዊ ጥንካረ ዘለወን ብዙሓት ከምዘለዋ ግን ኣይንረስዕ። ምኸንያቱ ቀልጢፉ ናብ ርእሱ ዝመጽአሉ ሓሳብ ሓንቲ ናብ ሆቴል በይና አትኣቱ ናይጄርያዊት ጓል ፋይቶ ሴክስ ዎርከር እያ ዝብል እዩ። ሓንቲ ዝፈልጣ ጓል ኣላ። ከምኡ ግን ኣይገበርኩን። እቲ ዘሕዝን ሓቂ ኣብ ኣከዳድና እንተመጺእና ከም ናይ ቅውምነገር ከም ስሩዕን ቅቡልን ዝውሰድ ኣከዳድና ናይ ተባዕትዮ ኣከዳድና እዩ። ንጓል ግን የጨንቓ እዩ። ኩሉ ነገረይ ናይ ጓል እዩ። ብኡ ከኣ ሕሰስቲ እየ ነዊሕ ታኮኡ ጫማ ምግባር ናይ ከንፈር ቀለም ምግባር ይፎቱ ብዛዕባ ትርኢተይ ድማ ተባዕታይ ኮነ ጓል ኣነስተይቲ ከንአዱኒ ደስ ይብለኒ ሓቂ ንምዝራብ ግን ጽቡቕ ቅዲ ኣከደድናን መመላኸዕን ዘዘውትራ ደቂኣንስትዮ ከንአዳኒ ዝያዳ ባህ ይብለኒ መብዛሕትኡ ግዜ ግን ተባዕትዮ ዘይፈትውዎ ወይ ዝይርደኦም ከዳውንቲ እየ ዘዘውትር ነቶም ከዳውንቲ ዝኸደኖም ከኣ ስለዝፈትዎምን ስለዘጥዕሙለይን እዩ። ከምኡ ዘይብል ከምኡ ምባል ቅኑዕ ስለዘይኸውን እዩ። ብርግጽ ፌሚኒዝም ብሓፈሻ ኣካል መሰል ናይ ደቂሰባት እዩ። አቶም ጸገማት ብፍሉይ ንደቂ ኣንስትዮ ዒላማ ዝገበሩ ምዉኖም ዘይምቕባል እዩ። እቲ ዝገርም ከኣ እቲ ከምኡ ዝበለኒ ወዲ ጸሊም ብምኺኑ ንዝበጽሕዎ ነገራት ኣልዒሉ ዝዛረብ ሰብ እዩ። ኣብ ናይጄርያ ጓል ጾታኣ ተጠቺማ ካብቲ ወዲ ትሕት ከትብል ኣለዋ ይብሉ ግንኮ ባህሊ ብቐጻልነት እዩ ዝቐየር። ሎሚ እዚ ባህሊ ንህዝቢ ኢግቦ ዘይቅቡል እዩ። ባህሊ እንታይ እዩ። ባህሲ አኮ ብቐንዱ ቀጻልነት ናይ ሓደ ህዝቢ ንምርግጋጽ እዩ ዘድልይ። ንሱን ካልኦት ኣብቲ ሓደጋ ንዝሞቱን ዘልኣለማዊ ዕረፍቲ ይምነየሎም ኦኮሎማ ኣባና ኣብ ልቢ ፈተውቱ ኩልሻብ ከነብር እዩ። ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ሓደ መዓልቲ ፌሚኒስት ኢኺ ዝበለኒ ኸኣ ሓቁ እዩ። ኣነ ካብ ዝፈልጦም ሰባት እቲ ብሉጽ ፌሚኒስት ኬን ሓወይ እዩ። ንሱ ሕያዋይ ምልኩዕ ትርኢቱውን ተባዕተዋይ እዩ።
እቲ ወዲ እቲ ናተይ ገንዘብ ካብ ሉዊስ ዝመጸ ምኺኑ እዩ ዝኣምን። ኬንያዊት ተሸላማዊት ኖቤል ዋንጋሪ ማታይ ከምዚ ብምባል ጽቡቕ ገይራ ገሊጻቶ እያ ንላዕሊ ብዝደየብኩም ቁጽሪ ውሑዳት ደቂ ኣንስትዮ ኢኹም ትረኸቡ ኣብ ኣሜሪካ ማዕረ ስራሕ ዝሰርሑ ማዕረ ከእለት ዘለዎም ሓንቲ ጓል ኣንስተይትን ሓደ ወዲተባዕታይን ማዕረ ኣይኸፈሎምን ተባዕታይ ስለዝኾነ ነቲ ወዲ ዝያዳ ይኸፈሎ ብቐሊሱ ከንርእዮ እንከለና ነዛ ዓለም ተባዕትዮ እዮም ዝገዝእዋ ቅድሚ ሓደ ሽሕ ዓመት እዚ ቅቡል ከኸውን ይኸእል። እዚ ንእሽቶ ነገር እዩ ግን ከኣ ሓንሳብ ሓንሳብ ኣናእሽቱ ነገራት እዮም ዝያዳ ዘሕምሙኻ ቅድሚ ዝተወሰነ ግዜ ኣብ ሌጎስ መንእሰይ ጓል ኾይንኪ ብዛዕባ ዝገጥመኪ ነገራት ሓደ ጽሑፍ ጽሒፈ ሐደ መሐዛይ እቲ ጽሑፍ ብቹጥዐ ዝተመልአ እዩ ከምኡ ከኸውን ኣይምነበሮን ኢሉኒ ኣነ ግን ንድሕሪት አይበልኩን እወ ቁጥዐ ዝተመልአ እዩ ነይሩ ኣብ ጾታዊ ጉዳያትና ሓያል ናይ ፍትሒ ጉድለት እዩ ዘሉ ንሱ የሕርቐኒ እዩ። ሓዳርኪ ከብተን እዩ ሓዳር ዝገብረልኪ ኣይትረኸብን ዝብሉ መጠንቀቐቕታት ሕብረተሰብና ዝያዳ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ እዩ ዝጥቀመሉ ጉዳያት ጾታ ኣብ መላእ ዓለምና ኣገዳሲ ጉዳይ እዩ። እዚ ከኣ ዓብዩ በደል እዩ። እቲ ዘሕዝን ከኣ ቀለበት ምግባራ ከብሪ ዘውህባ ምኺኑ እዩ ቀለበት ዘይምግባራ ድማ ብተጻራሪኡ እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብ ዘበናዊ ናይ ስራሕ ቦታ እዩ። ምኽንያቱ ናይታ ጓል ድንግልና ከኸይድ እንተኾይኑ ጓልን ወድን እዮም እዮም ዝሳተፍዎ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሓደ ናይ ናይጄርያ ዩንቨርሲቲ ብዙሓት ኣወዳት ንሓንቲ ጓል ዓሚጾምዋ ሽዑ ብዙሓት ተባዕትዮ ኮነ ኣንስትዮ ናይጄርያውያን ዘልዓልዎ ሕቶ ግን ምፅማጽ ጌጋ እዩ። እታ ጓል ምስ ኣርባዕተ ኣወዳት ኣብ ሓደ ከፍሊ እንታይ ትገብር ነይራ ዝብል እዩ። እዚ ከኣ ኣብ ፖሊሲታትን ሕግታትን ብዙሕ ለውጢ ስለዝተገበረ እዩ እዚ ድማ ኣገዳሲ እዩ። ካብ ስራሕ ምስተመለሱ ንመብዛሕትኡ ናይ ገዛ ስራሕ ንሳ እያ እትዓይዮ እዚ ከኣ ኣብ ብዙሕ ሓዳር ዘሎ እዩ ንዓይ ዘግረመለይ ነገር ግን ንሱ ናይ ቆልዓ ጨርቂ ሽንቲ ዳይፐር ከቐይር ከሎ ተመስግኖ። ኩሉ ነገረይ ናይ ጓል እዩ። ንኣማኢት ዓመታት ደቂ ሰባት ኣብ ከልተ መደብ ተኸፊሎም እቲ ሓደ መደብ ብፍሉይ እናተጓነየን እናተወጸዐን እዩ መጺኡ እዚ ጸገም ከኣ ብንጹር ኣፍልጦ ከወሃቦ አለዎ ገለ ተባዕትዮ ነዚ ፌሚኒዝም ዝበሃል ስነሓሳብ ይፈርሕጾ እዚ ከኣ ካብ አተዓባብየኦም ዝብገስ እዩ ዝመስለኒ ብተፈጥሮ ንሶም ዘይቆጻጸርዎ ዝኾነ ነገር ከመይ ንርእሶም ዘለዎም ከብሪ ከምዝጎድሎ ዘርእይ እዩ። ካልኦት ተባዕትዮ ድማ እዚ ደስ ዝብል ነገር እዩ ኣነ ግን ከምኡ ኢለ ኣይሓስብን። ብዙሓት ተባዕትዮ ብዛዕባ ጾታዊ ጉዳያት ኣይሓስቡን ነቲ ጸገም እውን ኣየድህብሉን ከም ሉዊስ መሓዛይ ብዙሓት ኣወዳት ቀደም ጸገም ነይሩ ከኸውን ይኸእል ሎሚ ግን ደሓን እዩ እዮም ዝብሉ ነቲ ዘሎ ጸገም ከቕይሩ ከኣ ዝገብርዎ ነገር የለን። እቲ ዝገርም ከኣ እቲ ከምኡ ዝበለኒ ወዲ ጸሊም ብምኺኑ ንዝበጽሕዎ ነገራት ኣልዒሉ ዝዛረብ ሰብ እዩ። ስለዚ ኣይፋሉን እቲ ዛዕባ ብዛዕባ ጾታዊ ጉዳያት ከሳብ ዝኾነ ጾታዊ ነገራት ከለዓሉ ግቡእ እዩ ገለ ሰባት ድማ ሣማን እኮ ኣብ ታሕቲ ኮይነን ኩሉ ነገር ዝቆጻጸርኦ ደቂ ኣንስትዮ እየን ንሰን አየን ሓይሊ ዘለወን ይብሉ። ናተይ ናይ ፌሚኒስት ትርጉም ከኣ ኣብ ጾታዊ ጉዳያት ጸገም ኣሎ ነመሓይሾ ዝሓሸ ንግበር ዝብል ሰብ እዩ ኩልና ተባዕትዮን ኣንስትዮን ዝሓሸ ንግበር።