Detecting...

Please whitelist dirzon to continue.

or subscribe for ad-free contenct.

dirzon
  • Convert to Pdf
  • Reading List
  • Summary
  • Audiobook
  • Search
  • Upload
  • myzon
  • Log in
  • Register
English  አማርኛ  Français  العربية  Portuguese
Book of the day

መልእኽቲ ይሁዳ ቊጽሪ ፲፩.pdf


Advertisement
  • word cloud

መልእኽቲ ይሁዳ ቊጽሪ ፲፩.pdf
  • Extraction Summary

ይሁ መገዲ ቃየል ምኺኑ ተረዲእና መሥዋዕትናን ህያብናን ምስ ሕይወትናን ናብራናን ዘይደፋፋእ ንኣምላኸ ባህ ዘብል መሥዋዕቲ ጌርና ከነቅርቦ እንኸአለሉ እንኮ መገዲ ድማ ካብ ሥጋይ እያ ኢሉ ኣድኒቕዋን መስኪሩላን ኔይሩ ኢዩ። ድሓር ንሳ ብምኸሪ ሰይጣን ስሒታ ምስ ኣስሓተቶ እሞ ብሰሪ እቲ ዝገበርዎ ኃጢኣት ጸጋኦም ምስ ተገፈፈ ድምጺ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ዘለዎም ኣገልገልቲ ዝግበር ዘሎ ምዝንጣልን ምጽራፍን ምውራድን ኢድካ ሓዊስካ እንተ ሃሊኻ ዛንታ ቆራሕን ዳታንን ኣቤሮንን ኣብቶም ብእኦም ዝሰድዑ ቀዳሞት ከልተ ሚአትን ኃምሳን ሽማግለታትን ኣብቶም ድሮም ዝሰዓብዎም ልዕሊ ዓሠርትው ኣርባዕተ ሽሕን ሰባትን ጎሊሑ ዝተራእየ ጠባይ ድማ ነዚ ሓሳብ ዘራጉድ ኢዩ።

  • Cosine Similarity

ቃየል ብመገዲ እግዚኣብሔር እናተመላለሰ ከሎ ኣዝዩ ዝጠዓመ ሕይወት ከም ዝነበሮ በቲ ዳኅራይ ብዓማጺ ልቡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ኃዉ ብዝፈጸሞ በደል ካብ ገጽን መገድን አግዚኣብሔር ምስ ረሓቐ ንእግዚኣብሔር ግደለይ ከጸሮ ዓቢዩ ኢዩ እንሆ ሎሚ ካብ ገጽ ምድሪ ትሰጎኒ ኣሎኻ ኣነ ድማ ካብ ገጽካ ከሕባእ እየ ኣብ ምድሪ ኮብላልን ቀባሕብሓይን ከኸውን እየ ብዝበሎ ናይ ጓሂ ቃላት ንምርዳኡ ቀሊል ይገብሮ ኢዩ ዘፍ ሕይወት ቃየል ካብ መገዲ አግዚኣብሔር ዝረሓቐን ዝተፈለየን መገዲ ዓመጻ ንኸኸውን ከም ባሕርይ ናይ መጀመርታ ጠንቂ ዝነበረት ኃጢኣት ኩራ እያ። ሰይጣን ነዚ ኣብ ቃየል ከም ባሕርይ ዝተገልጸ ኃጢኣት ከይጥቀመሉሞ ሕይወት ቃየል ዝበኣሰን ዝኸፍአን ከይከውን ብዓቢኡ ድማ መገዲ ቃየል ካብ እግዚኣብሔር ዝተፈልየን ዝረሓቐን ከይከውን አግዚኣብሔር ኣቀዲሙ ንቃየል ከምዚ ብምባል መኪርዎን ኣጠንቂቐዎን ኢዩ ቃየል ስለምንታይ ኮሬኻ ስለምንታይከ ገጽካ ጸለመ ጽቡቕ እንተ ትገብርሮሲ ገጽካዶ ትኸ ኣይምበለን ኃጢኣት ኣብ ኣፍደገ ኩይና ትቃጸወካ ኣላ ሃረርታኣ ከኣ ናባኻ ኢዩ ግናኸ ንስኻ ክትገዝኣ ይግብኣካ ኢዩ። እምበኣር ትሕቲ ጸጋ ደኣምበር ትሕቲ ሕጊ ከም ዘይኩንና ተረዲእና ከም ሞይቶም ዝተንስኡ ርእስና ንኣምላኸ ንወፊሞ ኃጢኣት ኣይከመልከናን ኢዩ ሮሜ ሮሜ ንምኽርን መጠንቀቕታን እግዚኣብሔር ሸለልትነት ይህልወና እቲ ካብ ጌጋ ወለዱ ዘይተማህረ ቃየል ነቲ ኣቐዲሙ ቅድሚ ኣብ ኃጢኣት ምውዳቹቐ ካብ እግዚኣብሔር ዝረኸቦ መጠንቀቐታን ምኸርን ሸለል ስለ ዝበሎ ኢዩ ከወጾን ከጾሮን ኣብ ዘይከእል ናይ ኃጢኣት ዓዘቕቲ ዝተደርበየ። ድኅሪ ቃየል በታ ቃየል ዝኸዳ መገዲ ዝኸዱ ሰባት ኣዝዮም ብዙኃት ኢዮም እንተኹነ ግና እቲ ኣዝዩ ዘገርም ካብ ናይ ቃየል ሕይወት ዘይሓይሽን ካብኡ ዝገደደ ሕይወት ዝመርኑ ሰባት ምንባሮም ኢዮም እቶም ኣብ ናይ ኖህ ዝነበሩ ሕዝቢ በዛ ቃየል ዝኸዳ ናይ ጥፍኣት መገዲ ከኸዱ ምስ ጀመሩ አግዚአብሔር ንኖህ መርከብ ስርሕ በሎ እሞ በታ መርከብ ንሠላሳ ዓመታት ተዛረቦም። ስለዚ ንምኸርን ትምህርትን ሰይጣን ንዒቐቕና ንመዓሙቕ ጥበብ አግዚኣብሔር ኣብ ሕይወትና ዝዓበየ መዝገብ ጌርና ከነፍቅሮ እቲ እዋን ሕጂ ኢዩ አዮ ሓሳብን ፍቓድን እግዚኣብሔር ኣብ ሕይወትና ከንምርምር ኣይንኸእልን ሓሳብን መደብን ኣምላኸ ኣብ ሕይወቱ ከምርምር ዘይከኣለ ሰብ ካብ መገድን ህልውናን ኣምላኸ ዝረሓቐ ሰብ ምኺኑ እቲ ኣውራ ምልከቱ ኢዩ። እምበኣር ብከርስቶስ ኢየሱስ ኣብ ዝተሓደሰ ኣእምሮ ሓሳብን ፍቓድን ኣምላኸ ግሁድ ካብ ዝኹነ ሓሳብን መደብን ኣምላኸ ኣብ ሕይወትና ተረዲእና ብኹሉ ምእንቲ ከንዓርፍ ብምሕዳስ ኣእምሮና ኣብ ጸጽባሕ ከንልወጥ ይግብኣና ኢዩ ሮሜ ሕይወትናን ኣካላትናን መሓውር ሰይጣን ይኸውን አዚ እቲ ኣዝዩ ዝዓበየ ምልከት ናይዛ ቃየል ዝተጓዕዘላ ናይ ጥፍኣት መገዲ ኢዩ። ከም ደቂ ኣምላኸ መጠን እቲ ዝዓበየ ኣገልግሎትና ንኣምላኸ ድሓር ድማ ንሰብ ኢዩ። አቶም ልኡካት ናብ ንጉሥ ባላቅ ተመሊሶም ዝኹነ ኩሉ ምስ ነገርዎ ተመሊሱ ንካልኣይ ግዜ ካብቶም ኣቐዲሙ ዝሰደዶም ንላዕሊ ከቡራትን ሕፉራትን ሰባት ካብቲ ኣቐዲሙ ዝለኣኸሉ ህያባት ድማ ኣብዚ ሉኡኻት ሰዲዱ ዓዓ በጃኻ ርገመለይ ካብዚ ህያባት ንላዕሊ ድማ ኣነ ከኸብረካ እየ ዝብል መልአኸቲ ንበለዓም ሰደደሉ በለዓም እቲ ብዙኅ ህያባት ምስ ረኣየ ልቡ በቲ ከቡር ህያባት ስለ ዝተሳሕበ ነቶም ልኡኻት ካልኣይ ግዜ ንእግዚኣብሔር ከሓቶ ከኸይድ ምኺኑ ነገሮም በለዓም አግዚኣብሔር ከልተ መልሓስ ከም ዘለዎ ንካልኣይ ግዜ ምስ ሓተቶ እግዚኣብሔር ልቢ በለዓም በቲ ባላቕ ዘቕረበሉ ዓስቢ ከም እተሳሕበ ምስ ረኣየ ኪድ በሎ። እዚ ማለት ከብሪ ኣምላኸ ንምፍላጥን ንኸብሪ ኣምላኸ ንምንባርን ተጠቀምቲ ሓድሕዳዊ ጸጋ ንምኺን ናብ ኅብረት እምነት ንምምጻእ ነቲ እነምልኾ ኣምላኸ ብዝግባእ ንኸንፈልጦ ወንጌል መንግሥቲ ኣምላኸ ንምስፍሕፋሕ ንምህናጽ ማኅበር ኣምላኸ ንምግላጽ መንነት ኣምላኽንምጽንናዕ ምስሊ ወዲ ኣምላኸ ንምትኃዝ ኣብ መንፈሳዊ ውግእ ከንዕወት ኃይሊ ንምዕጣቐ ወዘተ ፅላማ ዝገበረ ኢዩ ኤፌ ኣፈጻጽማ መንፈሳዊ ውህበታት ሓዋርያ ጴጥሮስ ኣብታ ፈላሚት መልእኸቱ ብዛዕባ ኣፈጻጽማ ናይቲ ብዙኅ ዝዓይነቱ ጸጋ ውህበት ኣምላኸ ከምዚ ብምባል ኣቐሚጡልና ኣሎፍሲ ወከፍ ከምቲ እተቐበሎ ውህበት ጸጋ ከም ሕያዎት መገብቲ ናይቲ ብዙኅ ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኸ ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ ዚነግር እንተኹነ ከም ቃል ኣምላኽ ገይሩ ይንገር ዜገልግል እንተኹነ ውን ከምቲ ኣምላኸ ዝሃቦ ኃይሊ ገይሩ የገልግል ጴጥ ዘ ስለዚ መንፈሳዊ ውህበታት ንትምህርቲ ሓዋርያ ጴጥሮስ መሠረት ብምግባር ብቃል ዝፍጸሙን ብግብሪ ዝፍጸሙን ውህበታት ኢልና ኣብ ከልተ ከንከፍሎም ይከኣል ኢዩ። ብሓቂ ልቢ በለዓም ቲዝካ ኣብ ቤት ኣምላኸ ምንባር እቲ ኣዝዩ ዝኸፍኤ ሕይወት ኢዩ። እቶም ልቢ በለዓም ቲዞም ኣብ ማኅበር ኣምላኸ ዝመላለሱ ምስሱያት ኣገልገልቲ ካብ ዘርእይዎም ምልከታት እምበኣር ከም በለዓም ንርእሶም ከኸብሩ ከብሉ ንኸብሪ ኣምላኸ ዝጐስዩ ምኺኖም ኢዩ። ብምባል ዋላውን እቶም ከም ናትና ውህበት ማለት መልከዕ ኣምላኸ ዘይብሎም ፍጥረት ከይተረፈ ንዕቤትን ግርማን ጐይታኦም ከምዝሰብኩ ዘረድኣና እምበኣር ንሕና እቶም ብመልከዑ ዝተፈጠርናን ምስሊ ኣምላኸ ከኣ ብደም ኢየሱስ ዝረኸብና ከርስትያንውን ኣብ እንነብሮ ሕይወትን ንኣምላኸ ወኪልና ኣብ አነገልግሎን ኩሉ ዕላማ ወሃቢ ንውህበትና ንምሕናጽ ኣካል ከርስቶስ ምኺኳኑ ተረዲእአና ውህበትና ኣብ ምሕናጽ ማኅበር ናይቲ ንውዳሴ ከብሩ ቀደም መዲቡ ዝፈጠረና ብደም ወዱ ድማ ውሉዱ ዝገበረና ኣምላኸ ከኸውን ይግባእ መዝ ኤፌ ኤፌ ኣገልግሎቱ ምስ ኣገልግሎት ካልኦት ዘወዳድር ኢዩ ናይቶም ንኣምላኸ ዘይውከሉ ዘይቅኑዓት ኣገልገልቲ እቲ ካልእ ምልከቶም እቲ ዝፍጽምዎ ኣገልግሎት ካብ ገዛአ ርአሶም ገይሮም ስለ ዝቐጽርዎ ምስ ናይ ካልእ ኣገልግሎት ናይ ምውድዳር መንፈስ ዘለዎም ኢዮም። እቲ ስምዖን ዝሓሰቦ ኣብ ልዕሊ መንፈስ ቅዱስ ግለ ከም ምባል ስለ ዝነበረ እቲ ኣብ ልዕሊ መንፈስ ቅዱስ ገለ ዝብል ኣብዚ ምድሪ ይኹን ወይሲ ኣብ ሰማይ ፈጺሙ ከም ዘይኅደገሉ ካብ ጐይታ ዝተማህሮ ምህሮ ስለ ዝነበረዩ ምናልባሽ ሓሳብ ልብኻ እንተ ኃደገልካ ዝበሎ ግሓ ማቴ አምበኣር ንዘይጸዓርካሉ ውህበት ዓስቢ ምድላይ ካብ ዘይቅኑዕ ልቢ ኣብ ቅድሚ ኣምላኸ ዝውንኑ ሰባት ዝምንጩ ጠባይ ምኺኑ ርኢና ኣሎና። ቆራሕ ሌዋዊ ብምኺኑ ኣብቲ ኣይሁድ ኣብ ምሉእ ዕዞኦም ናብ ምድሪ ርስቲ ዝወስድዎ ዝነበሩ ተንቀሳቓሲ መቐደስ ምስ ኣኅዋቱ ከሳተፍን ከገልግልን ዕድል ዝረኸበ ሰብውን ኢዩ ነይሩ ቆራሕ ከም ቃሃታዊ መጠን ሓደ ካብቶም ንመቕደስ ኣምላኸ ምሕብሓብን ምክንኻንን ኣውራ ሓላፍነት ዝነበሮም ኩይኑ ኣብ ውሽጢ መቐደስ ዝነበረ ንብረታት ከም መሠውዲ መብራህቲ መኣዲ መቐመጢ መጋረጃ ወዘተ ዋላውን ነቲ ኣዝዩ ቀዛፍን ተፈራሕን ዝነበረ ታቦት ከይተረፈ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ናይ ምግዕዓዝን ንአኣቀማምጣኡ ብምዝምልከት ኩሉን ሓላፍነት ዝነበሮ ኢዩዘኑ ቆራሕ እቲ ቦኸሪ ወዲ ይጽሃር ግና በቲ ዝተዋህቦ ዓቢይ ኣገልግሎት ፈጺሙ ኣይዓገበን ካህን ከኸውን ድማ ኣዝዩ ተመነየ። አቶም ብልምዲ ደቂ ቆራሕ ዝበሃሉ ምስ ቆራሕ ዝጠፍኡ ድማ እዞም ኣብ ምኸሪ ቆራሕ ዝሓበሩ ሰባት ኢዮም በዚ ዓቢይ ኣብነት ናይ ጥፍኣት ኣቦነት ዝዝከር ከኸውን እንከሎ ብኣንጻር ናይዚ ድማ በቶም ካብ ቆራሕ ዝተወልዱ ሠለስተ ኣወዳት እግዚኣብሔር ከቢሩን ሰሚሩን ኢዩ። አዚ ማለት እቲ ቆራሕ ምልዕዓል ዝገበረሉ እዋን ሕዝቢ አስራኤል ኣብ በረኻ ካብ ግብጺ ናብ ከንኣን ኣብ ዝነበረ ገዕዞ ኢዩ። ቆራሕ ቦኸሪ ወዱ ንይጽሃር ወዲ ቀሃት ብምንባሩ ነቲ ኣቐዲሙ ኣብ መቐደስ ከገልግሉ ዝተፈልዩ ደቂ ቀሃት ምንባሮም ኣብ ግምት ኣእቲኻ ቆራሕ ካህን ከኸውን ናይ ብዙኃት ትጽቢት ከም ዝነበረ ካብቲ ዛንታ ምርድኡ ኣየሸግርን እንተኹነ ግና እግዚኣብሔር ንከህነት ዝመረጾ ንቆራሕ ዘይኩነስ ነቲ ኃዉ ሙሴ ዝኹነ ኣሮን ኢዩ። ኣብ ሓዲስ ኪዳን ኩሉ ሰብ ዘገልግለሉ ጸጋ ስለ ዘለዎ ሰብ ኣብ ልዕሊ ከምኡ ሰብ ብኸፍኣት ከለዓል ነቲ አግዚኣብሔር ብሰብ ኣቢሉ ዝገብሮ ግብርታት ከቃወምን ከማርርን እንተ ጀሚሩ ከምቲ ሙሴ ንቆራሕ ዝበሎ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዘይኩነስ ኣንጻርቲ ኣብ ልዕሊቲ ሰብ ዝፈጠረን ኣብኡ ድማ እቲ ንሰብ ዝጠቅም ውህበቱ ዘቐመጠን እግዚኣብሔር ምስላፍን ንእኡ ምጽራርን ኣብ ዕዮታቱ ከም ምጉርምራምን ኢዩ። ካብ ዛንታ እስራኤላውያን ኩነ ካብ ዛንታ ቆራሕ አንልብመሉ ዓቢይ ትምህርቲ ድማ ንሱዩ ሉቃ ሀ ጸጋኦም ዘየለለዩን ንጸጋ ካልኦት ዘነኣእሱን ኢዮም እዚ እቲ ብፍሱይ ካብ ዛንታ ቆራሕ እንምሃሮ ዝዓበየ ሓደገኛ ምልከት ኢዩ ቆራሕ ጸጋ ናይ ሙሴን ኣሮንን ኣነኣኢሱ ዝረኣየ እቲ ምስኡ ዝነበረ ጸጋ ብዝግባእ ስለ ዘየስተውዓለዩ። ቆራሕ ካብ ሌዊ ዳታንን ኣቤሮንን ከኣ ካብ ሮቤል ከነሶም ሕይወቶም ግና ካብቲ ኣብ ግብጺ ከለዉ ዝነብርዎ ዝነበሩ ኣነባብራ ዝፍለ ኣይነበረን እቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝገብሮ ድማ እዚ ኢዩ ሓደ ድቲነ ዝብል ሰብ ካብቲ ቅድሚ ምድኃኑ ዝነብሮ ዝነበረ ናብራ ዝፍለ ሕይወት እንተዘይሃልይዎ ከም ዝድኃነ ኪንዮ ቃላት ካልእ ምስከርነት የብሉን ድኅሪ ምድሓኑ ካብቲ ቅድሚ ምድኃኑ ዝነበሮ ናብራ ከፍለ እንተ ዘይከኢሉውን ድሒነ ኢሉ ከዛረብ ዝከኣል ኣይኩነን እንተ ተዛረበ ከኣ ንርእሱ ደኣ ይጥብርምበር ድሒነ ምባሉ ውሕስነት ከኹኡኖ ፈጺሙ ኣይክእልን ኢዩ አዚ ይጠቅም ነይሩ አንተ ዝኸውን ነዞም ሰለስተ ሰባትን ነቶም በዞም ሰባት ዝሰሓቱን ልዕሊ ዓሰርተው ኣርባዕተ ሽሕ ዝኹኑ ሰባትን ካብ ጥፍኣት መድሓኖም ነይሩ ኢዩ አዞም ዝጠቐስናዮም ሰባት ካብቲ ዝቐዝፍን ካብ መግዛእቲ ፈርዖንን ድሒኖም ፋሲካ ኣብዒሎም ናብታ ምድሪ ርስቶም ዝጓዓዙ ዝነበሩ ሰባትዮም። ሕይወቶምን ኣነባብራኦምን ምስቲ ዝጓዝዎ ዝነበሩ ጉዕዞ ዘይመጣጠን ስለ ዝነበረ ከም ኣመሎም ንጌጋ ገበሩ እቲ ዝገበርዎ ጌጋ ግን ብዓይነቱ ካብቲ ቅድሚ ሽዑ ዝገብርዎ ዝነበሩ ኣዝዩ ዝተፈልየ ኣብ ከክህነት ቅብኣት ብምንባሩ ብዘስካሕከሕ ጠፍኡ ዘኑ እቲ ሓዋርያ ነታ ኣብ ቆሮንጦስ ዝነበረት ማኅበር ኣብ ቦታ ድኅነት ዘይድሓነ ሰብ ከይጸንሖ ፍርሓቱ ኣዝዩ ልዕል ከም ዝነበረ ካብ መልእኸታቱ ንርዳእ እዚ ከኣ ኣብታ ኣብ ቆሮንጦስ ዝነበረት ማኅበር ኣምላኸ ናይ ዘይድሓነ ምልከታት ሓሓሊፉ ይርኣዮም ስለ ዝነበረዩ።

  • N.B. This Summary is Very Experimental!! based on the following scripts from:
    • https://github.com/millzon/textSummarizer-am
    • https://github.com/icoxfog417/awesome-text-summarization#motivation
Download Searchable PDF Download PDF

Advertisement
Bottom banner

Download options | Convert to Pdf | Reading List | Advertise on dirzon

© dirzon | Terms of Service | Privacy | About | Services | Contact