Detecting...

Please whitelist dirzon to continue.

or subscribe for ad-free contenct.

dirzon
  • Convert to Pdf
  • Reading List
  • Summary
  • Audiobook
  • Search
  • Upload
  • myzon
  • Log in
  • Register
English  አማርኛ  Français  العربية  Portuguese
Book of the day

መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ፩.pdf


Advertisement
  • word cloud

መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ፩.pdf
  • Extraction Summary

ትሕዝቶ ቲ መልእኸቲ ዮሐንስ እዚ መልእኸቲ ብዛዕባ ናይ ንሳሓ ኣድላዬነት ዝረኣዮን ዝመሃሮን ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ መንግስተ ሰማያት መፍትሕ ከም ዝተዋህቦ ዝኣመሰሉ ይገልጽ ራሱ ራሱ ሓ ቭጅ ሓ ራሱ ጄና ሓጺር ዜና ዕረፍቲ ቅዱስ ቀሌምንጦስ ቀሌምንጦስ ኣሰር ኣቦታቱ ብምስዓብ ናይ ድሕነት ትምህርቲ ወንጌል ንወገናቱ ኣረማውያን ብምስትምሃር ካብ ናይ ሰይጣን ማእሰርቲ ኣውጺእዎም እዩ። እዚ ኣብ ልዕሊ ዓጽሚ ኤልሳእ ከም ዝፈጸሞ እዩ። ኣብዚ መጽሓፍ ከም ዝገልጾ ናይ ኩሎም ናይ ስርዓት መጽሓፍ ማለት እዩ እዚ ኸኣ ቅዱስ ሴሌጥሮስ እናነገሮ ከም ዝጸሓፎ ምኻኑ ዘረድእ እዩ።

  • Cosine Similarity

ትሕዝቶ ቲ መልእኸቲ ዮሐንስ ቲ መልእኽቲ ዮሐንስ ትሕዝቶ ቲ መልእኸቲ ዮሐንስ መልእኽቲ ሓዋርያ ቅዱስ ታዴዎስ ድሕረ ባይታ ቅዱስ ታዴዎስ ትሕዝቶ መልእኸቲ ታዴዎስ ሓጺር ዜና ዕረፍቲ ቅዱስ ታዴዎስህ ምዕራፍ ኣርባዕተ ናይ ትንቢት ክፍሊ ድሕረ ባይታ ሃገረ ኤፌሶን ትሕዝቶ ራእይ ዮሓንስ ኣመዳድባ መጻሕፍቲ ስርዓተ ቤተ ክርስቲያን መጽሓፈ ትእዛዝ መጽሓፈ ኣብጥሊስ ዝርዝር ትሕዝቶ መጽሓፈ ኣብጥሊስ መእተዊ መጽሓፍ ቅዱስ ብዘበን ኣብ ክልተ ይኸፈል ሀ ብሉይ ኪዳን ለ ሓድሽ ኪዳን ሀ ብሉይ ኪዳን እዚ መጽሓፍ እዚ ካብ ኦሪት ዘፍጥረት ክሳብ ትንቢት ሚልክያስ ዘጠቓለለ ኮይኑ ቁጽሩ እዩ ዝርዝራቱ ድማ ኣብ ቀዳማይ መጽሓፍ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንመልከት ሊሓድሽ ኪዳን እዚ መጽሓፍ እዚ ካብ ወንጌለ ማቴዎስ ክሳብ መጽሓፈ ቀሌምንጦስ ዘጠቓለለ ኮይኑ ቁጽሩ እዩ። እዚ ክፍሊ እዚ ዘረድኣና ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰለስቱ ግሩማን ኣካላት ስላሴ ሓደ ንሱ ቀሩ ወልደ እግዚአብሔር ምኳኑ ቀሩ ንኣዳም ብዝሃቦ ተስፋ ድሕነት መሰረት ድሕሪ ዘመን ብክልተ ወገን ድንግል ካብ ዝኾነት ቅድስት ማርያም ካብ ስጋኣ ስጋ ካብ ነፍሳ ነፍስ ተዋሃሂዱ ፍጹም ሰብ ከም ዝኾነ ኣብ ምድሪ ዓመትን ወርሕን ተመላሊሱ ቤተ ሰብ ከም ዝሓረየ ንሕና ክንገብሮ ዝግባኣና ኩሉ ኣብነት ኮይኑ ከም ዘርኣየና ኣብ መወዳእታ ድማ እተነግረሉ ትንቢት እተቐጽረሉ ሱባኤ ፍጻሜ ክረክብ ብበደሎም ምኽንያት ሓይሎም ድኹም ጸሎቶም ዘይስማዕ ዝነበረ ኣዳምን ደቹን ካብ ዝወደቹሉ መንጸፈ ደይን ካብ ዝቕጥቀጡሉ ዝነበሩ እግሪ ኣጋንንቲ ሓራ ንኸገብር ብሞቱ ሞትና ከጥፍኣልናን መርገም ኣበሳና ክድምስሰልናን ኣብ ማእከል ምድሪ ኣብ ቀራንዮ ከም ዝተሰቕለን ከም ዝሞተን ብኣካለ ስጋ ናብ መቓብር ከም ዝወረደ ብኣካለ ነፍስ ድማ ናብ ሲኦል ከይዱ ንኹሎም ኣዳምን ደቹን ሓርነት ከም ዝሰበኸሎምን ነጻ ከም ዘውጽኦምን ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ከኣ መቃብር ክፈቱለይ መግነዝ ፍትሑለይ ከይበለ ብዓቢ ስልጣኑ ካብ ሙታን ተፈልዩ ከም ዝተንስአ ኣብ መበል መዓልቲ ናብ ናይ ቀደም ክብሩ ብምስጋናን ዕልልታን ከም ዝዓረገን ዳግም ድማ ንፍርዲ ከም ዝምለስን በዚ ኣሚንና ክንነብር ንምርዳእ ዝተጻሕፈ እዩ ል ው ናይ ወንጌል ጸሓፍቲ ሀ ኣስማቶም ለ ክልተ ካብ ሓዋርያት ክልተ ካብ ኣርድእት ዝኾኑሉ ምስጢሩ እንታይ እዩ ሐ ስለምንታይ ኣርባዕተ ኮይኖም ሀኣስማቶም ወንጌላውን ሓዋርያን ማቴዎስ ወንጌላውን ረድእን ማርቆስ ወንጌላውን ረድእን ሉቃስ ወንጌላውን ሓዋርያን ዮሐንስ ሊክልተ ካብ ሓዋርያት ክልተ ካብ ኣርድእት ዝኾኑሉ ምስጢር እንታይ እዩ ንወንጌል ዝጸሓፉ ቁጽሮም ኣርባዕተ ክኾኑ ከለዉ ክልተ ካብቶም ሓዋርያት ማቴዎስን ዮሐንስን ክልተ ድማ ካብቶም ኣርድእት ማርቆስን ሉቃስን እዮም። ብሓፈሻ ኣብ ኣርባዕተ ዓበይቲ ክፍልታት ይኸፈል ንሳቶም ከኣ ካብ ምፅራፍ ዘሎ ሓደ ክፍሊ ኮይኑ ብዛዕባ ልደት ጐይታናን ዮሐንሰ መጥምቅን ጥምቀት ጐይታና ምግላጽ ምብሳር ቅዱስ ገብርኤል ንካህን ዘካርያስን ንድንግል ማርያምን መልኣኸ ንጓሶት ምብሳርን ምስ መላእኸቲ ሓቢሮም ምዝማሮምን ተቓውሞ ዮሐንስ ኣብ ልዕሊ ሄሮድስ ንሄሮድያዳ ከውስብ ይሓስብ ስለ ዝነበረ ወለዶ ጐይታና ካብ ኣዳም ጀሚሩ ይገልጽ ካብ ምዕራፍ ዘሎ ክኸውን ከሎ ብዛዕባ ናይ ጐይታና ምፍታን ሰለስተ ዓመት ናይ ጐይታና ምምሃርን ትእምርቲ ምስርሑን ናይ መወዳእታ ናይ ፋሲካ በዓል ንምኽባር ናብ ኢየሩሳሌም ምኻድ ይገልጽ ካብ ምዕራፍ ዘሎ ክኸውን ከሎ ብዛዕባ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ትምህርትን ምሳሌታትን ኣርድእት ምምራጽን ክምህሩ ምልኣኹን ይገልጽ ካብ ምዕራፍ ዘሎ ድማ ብዛዕባ ናይ ጐይታ ሕማማት ላ ሞቱ ካብ ሞት ምትንስኡ ዕርገቱ ይገልጽ። ብሓፈሻ ትሕዝቶ ናይዚ ወንጌል እዚ ኣብ ሓሙሽተ ዓበይቲ ክፍልታት ይኽፈል ንሳቶም ክኣ ምዕራፍ ብዛዕባ ናይ ጐይታና ሰማያዊ ልደቱን ብዛዕባ ዮሐንስ መጥምቅን ካብ ምፅራፍ ዘሎ ኮይኑ ብዛዕባ ናይ ቃና ገሊላ ተኣምር ዮሐ ምስ ኒቆዲሞስ ምዝርራቡ ዮሐ ምስታ ሳምራዊት ሰበይቲ ዝገበሮ ዝርርብ ዮሐ መጻጉዕ ምፍዋሱ ዮሐ ዓይነ ስውር ምፍዋሱ ዮሐ ትንሳኤ ኣልኣዛር ዮሐ ይገልጽ ክፍሊ ካብ ምዕራፍ ዘሎ ድማ እግሪ ደቀ መዛሙርቱ ብምሕጻብ ትሕትና ብግብሪ ምስትምሃሩ ፁ መንፈስ ቅዱስ ንደቀ መዛሙርቱ ከም ዝልእኸሎም ምዝራቡ ምእንቲ ደቀ መዛሙርቱን ምእመናንን ዝገበሮ ጸሎት ይገልጽ ክፍሊ ካብ ምዕራፍ ዘሎ ድማ ብዛዕባ « ኣይሁድ ንጐይታ ምፍራዶምን ኣብ ግብሪ ምውዓሎምን ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማሪያም ንዮሐንስ ሓደራ ምሃቡ ክፍሊ ካብ ምዕራፍ ዘሎ ድማ ብዛዕባ ጐይታና ካብ ሞት ምትንስኡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንማርያም መግደላዊት ከም ዝተራእያ ንደቀ መዛሙርቱ ከም ዝተራእዮም ንቶማስ ኣብ ካልኣይ ሰሙኑ ከም ዝተራእዮ ንቅዱስ ሌጥሮስ ዝሃቦ ናይ መወዳእታ ለበዋ ኣብዚ ወንጌል እዚ ካብ ካልኦት ወንጌል ፍልይ ዝበለ ጐይታና «ኣነ» ብዝብል ቃል ብብዝሒ ዝተዛረበሉ እዩ ትንሳኤን ሕይወትን ኣነ እየ። እዚ መጽሓፍ እዚ ድሕሪ ዕርገት ክርስቶስ ኣብ መበል ዓስረይቲ መዓልቲ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ተስፋ ዝሃቦም መጸናንዒ መንፈስ ቅዱስ ንሓዋርያት ከም ዝሰደደሎም በዚ ኸኣ ናይ መጀመርታ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጽርሃ ጽዮን ቅድስት ገዛ ኣደ ማርቆስማርያም ከም ዝተመስረተትን ሓዋርያት ብዝተዋህቦም ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ፈራሓት ዝነበሩ ደፋራት ከም ዝኾኑ ካብ ብልየት እርጋን ብኣእምሮ ተሓዲሶም ብሲሎም ረቺቐም ምስጢር ተርጉሞም ሓደ ጃንቋ ጥራይ ዝፈልጡ ዝነበሩ ቋንቋታት ተገሊጽሎም ካብ ሃገረ ስብከቶም ቃለ ወንጌል ኣብ ዓለም ከም ዘስምዑን ክርስትና ሃይማኖት ኣብ ኣህዛብን ኣይሁድን ከም ዘስፋሕፍሑን ኣብያተ ክርስቲያናት ከም ዝመስረቱን ዝገልጽ እዩ። ደድሕሪ ቅዱስ ዮሐንስ እናኸደ ታሪኹ ክእክብ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ጽሒፉ ንቴዎፍሎስ ልኣኸሉ ቅዱስ ሉቃስ ነቲ ካብ ዓም ዘሎ ታሪኸ ክርስትና ኣብ ወንጌሉ ድሕሪ ምስፋሩ ካብ ዓም ዝነበረ ድማ ኣብ ግብሪ ሓዋርያት ኣስፈሮ ሀትሕዝቶ ናይዚ መጽሓፍ እዚ መጽሓፍ እዚ ምዕራፋት ዝሓዘ ኮይኑ ኣብ ተ ዓበይቲ ክፍልታት ይኸፈል ክፍሊ ምዕራፍ ክኸውን ከሎ ብዛዕባ ድሕሪ ዕርገት ጐይታ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ሓደ ቦታ ምጥርናፎምን ናይ ይሁዳ መተካእታ ማትያስ ምምራጽን ይገልጽ ፖ ክፍሊ ካብ ምዕራፍ ዘሎ ክኸውን ከሎ ብዛዕባ ሓዋርያት መንፈስ ቅዱስ ምቕባሎም ህዝቢ ናብ ክርስትና ምእታዎም ብቅዱሳን ሌጥሮስን ዮሐንስን ስለ ዝተፈጸመ ተኣምርን ማእሰርቲ ሓዋርያትን መልኣኸ ካብ ማእሰርቲ ከምዘውጽኦምን ናብ ክርስትና ዝኣትው ህዝቢ እናወሰኸ ስለ ምኻዱ ናይ ቀዳማይ ሰማእት ሊቀ ዲያቆናት እስጢፋኖስ ይገልጽ ሯጅ ክፍሊ ካብ ምዕራፍ ዘሎ ክኸውን ከሎ ብዛዕባ ብምኸንያት ምብትታን ክርስቲያናት ካብ ኢየሩሳሌም ወጻኢ ኣብ ሰማርያ ቤተ ክርስቲያን ምምስራታ እቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ብኢድ ሓዋርያ ፊሊፅስ ምጥማቁ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ክርስትና ምምላሱ ንኣይሁድ ንምሕጓስ ሄሮድስ ንቅዱስ ያዕቆብ ምቕታሉ ታሪኸ ይገልጽ ክፍሊ ካብ ምዕራፍ ዘሎ ክኸውን ከሎ ብዛዕባ ቅዱስ ጳውሎስን ባርናባስን ንኣገልግሎት ንምፍላይ ዝተገብረ ናይ ጾምን ጸሎትን ኣምልኾ ብቅዱስ ጳውሎስ ዝተገብረ ተኣምር ቅዱስ ጳውሎስ ብእምኒ ድሕሪ ምቕታሉ ካብ ሞት ምድሓኑን ናይ መጀመሪያ ናይ ሓዋርያት ጉባኤ ኣብ ዓም ከም ዝተገብረ ይገልጽ። ትሕዝቶ መልእኸቲ ናብ ሰብ ሮሜ እዛ መልእኸቲ እዚኣ ምዕራፋት ዘለዋ ኮይና ብትሕዝቶኣ ኣብ ኸልተ ዓበይቲ ክፍልታት ትኸፈል እቲ ናይ መጀመሪያ ክፍሊ ካብ ምዕራፍ ክሳብ ምዕራፍ ዘሎ ኮይኑ ኣብዚ ምዕራፍ እዚ ኣብ መንጐ ሮማ ዝነበሩ ክርስቲያናት ቅድሚ ምእማኖም ኣረማውያንን ኣይሁድን ዝነበሩ ነቲ ሕሉፍን ክውንን ታሪኸ ብምዝካር ብዛዕባ ዘጋጠመ ምፍልላይን ምትህልላኸን ገሊጹ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዝጸሓፈሎም ክኸውን ከሎ ካልኣይ ክፍሊ ካብ ምዕራፍ ክሳብ ምዕራፍ ዘሎ ኮይኑ ናይ ክርስቶስ ቤተ ክርስቲያን ምፍልላይ ዘይብላ ሓንቲ ከም ዝኾነትን ኣብ ትሕቲ ሓደ ሓላዊ ዘለዉ ወገናት ምኒኳኖምን ብምግላጽ ንምእመናን እቲ ዘድልዮም ምኸርን መምርሕን ትእዛዝን ይርከቦ ዝተጻሕፈሉ ዕላማ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ኣብ መንጐ ሃገረ ሮሜ ዝነብሩ ዝነበሩ ክርስቲያናት ዘጋጠመ ምፍልላይ ዝጸሓፋ መልእኸቲ እያ እቶም ክርስቲያናት ቅድሚ ምእማኖም ኣረማውያንን ኣይሁድን ዝነበሩ ክኾኑ ከለዉ ኣብ መንጐኦም ዘጋጠመ ከኣ እቶም ኣረማውያን ዝነበሩ ክርስቲያናት ቅድም ኣይሁድ ንዝነበሩ ክርስቲያናት ዘበግስዎ ዝነበሩ ነቐፌታ እዩ። ሮሜ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ ቲ መልእኸቱ ቆሮንቶስ ኣብ ግሪኸ ትርከብ ናይ ኣካያይ ካልአይቲ ከተማያ ቅዱስ ጳውሎስ ብኻልአይቲ ዑደቱ ብ ዓም ከባቢ ኣብታ ከተማ ኣትዩ ምሂሩዩ ኣብ ሳልሰይቲ ዑደቱ ብ ዓም ድማ ኣብ ኤፌሶን ከሎ ወዱ ጢሞቴዎስ ነታ ቤተክርስቲያን ርእዩ ክምለስ ልኢኽዎ ነይሩ ትሕዝቶ ቲ መልእኸቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ እዛ መልእኸቲ እዚኣ ምዕራፋት ዘለዋ ኮይና ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ ትሕዝቶታት ትኸፈል ናይ መጀመሪያ ክፍሊ ካብ ምዕራፍ ክሳብ ምዕራፍ ዘሎ ክኸውን ከሎ ናይ ቆሮንቶስ ክርስቲያናት ምክፍፋልን ምፍልላይን ከምኡውን ዝተፈላለየ ዓይነት ሓጢኣት ስለዝተሰምዖም ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከም ዝወቀሶም ተገሊጽ ይርከብ ። ሳልሳይ ክፍሊ ድማ ምዕራፍ ክኸውን ከሎ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝርከቡ ክርስቲያናት ናይ ገንዘብ ምውጻእ ንኸግበረሎም ነቶም ህዝቢ ከም ዝኣዘዘ ተገሊጹ ይርከብ ዝተጻሕፈሉ ዕላማ ጢሞቴዎስ ኣብ ቆሮንቶስ ከሎ ቤተ ሰብ ቀለዮጳ ዝኾኑ ሰብ ቆሮንቶስ ናብ ኤፌሶን መጺኦም ስለ ዝነበሩ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ናይ ቆሮንቶስ ቤተክርስቲያን ንቅዱስ ጳውሎስ ነገርዎ ኣብ መንጐ ምእመናን ምፍልላይ ድማ ተኸሲቱ ነይሩ ቀንዲ ምኽንያቱ ድማ ቅዱስ ጳውሎስ ምሂሩ ድሕሪ ምኻዱ ካብ እስክንድርያ ዝመጸ ኣጵሎስ ዝተማህረ ሊቅ ስለ ዝነበረ ብዙሓት ብትምህርቱ ናብ ቤተ ክርስቲያን ምምጻእ ጀሚሮም ብኻልእ ወገን ድማ ብጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መዋእለ ስብከቱ ናብ ኢየሩሳሌም መጺኦም ትምህርቱ ናይ ምስማዕ ተኣምራት ናይ ምርኣይ ዕድል ዝገጠሞም ከምኡ ድማ ንበዓለ ሓምሳ ኣብ ኢየሩሳሌም ከለዉ ብቅዱስ ሴጥሮስ ስብከት ኣሚኖም ዝተጠምቹ ነበሩ እዞም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝኣመኑ ክርስቲያናት ብሓሳብ ምስምማዕ ምስ ሳኣኑ «አነ ዘጳውሎስ ወአነ ዘኬፋ ወአነ ዘክርስቶስ» ቆሮ እናበሉ ምክፍፋል ኣምጽኡ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሽግር ካብ ስድራ ቀለዮጳቀሎዔምስ ሰምዐ ናይ መጀመርያ መልእኸቲ ጽሓፈሎም ሰብ ቆሮንቶስ ብዝሙት ፍሉጣት እዮም ነይሮም በቲ ዘመንቲ ቆሮንቶሳዊ ማለት ዘማዊ ዝብል ትርጉም እዩ ዝህብ ነይሩ ኣብኡ ብሕይወት ከሎ ሰበይቲ ኣብኡ ክሳብ ምምርዓዉ ዝበጽሖ ነይሩ ስለዚ ነዚ እኩይ ግብሪ ገዲፎም ብንስሓ መታን ክምለሱ ጽሒፍሎም ቆሮ ኣንስቲ ቆሮንቶስ ናብ ቤት ፍርዲ ኣትየን ከይተጐልበባ ንሰብኡተን እናሓገዛ ምጥባቕ ሓድሽ ልምዲ ገይረን ነዚ ልምዲ ድማ ናብ ቤተ ክርስቲያን ክምለሳ ከለዋ ሒዘንኦ መጻ ሰብኡተን ኣብ ዘየለውሉ መርሐ ግብሪ መደብ ብስድራ ዝተወነነ ክመስል ኣነ ተኪኤ ክሰብኸ ምባል ጀሚረን ቅዳሴ ክንኣትው ኣለና ብምባል ኣሸጊረን በዚ ዝተላዕለ ቤተ ክርስቲያን ቆሮንቶስ ስድታት ኣንስቲ ዝተኣከባላ እናተባህለ ብዓለማውያን ስለ እተነቅፈት ቅዱስ ጳውሎስ ርእሰን ክጉልበባ ብስርዓት ድማ ክመሃራ መኸረን ቆሮ ሰብ ቆሮንቶስ ባህሊ ጣኦት ኣምልኾ ናብ ቤተ ክርስቲያን ስርዓት እናኣእተዉ ኣሸጊሮም ናብ ቅዳሴ ክመጽ ከለዉ ኩሎም በብውልቆም ወይንን ሕብስትን ሒዞም እናመጽ ክሳብ ዝጸግቡ በሊዖምን ሰትዮምን ይሰኸሩ ይጨቓጨቹ ክባኣሱ ጀሚሮም ዝገደደ ድማ ወይንን ሕብስትን ንኸምጽኡ ዘይክእሉ ድኻታት ከይቅበሉ ከልከልዎም ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ስርዓተ ቁርባን ዝመሃሮም ነዚ ክፋእ ኣመሎም ንምእራምዩ። ትሕዝቶ መልእኸቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ገላትያ እዛ መልእኸቲ ሽድሽተ ምዕራፋት ዘለዋ ከይና ኣብ ክልተ ዓበይቲ ክፍልታት ትሕዝቶታት ከኣ ትኽፈል እዚ ክፍሊ ካብ ምዕራፍ ክሳብ ምዕራፍ ዘሎ ኮይኑ ናይ ወንጌል ትምህርቱ ዝተቐበሎ ካብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድኣ እምበር ካብ ሓዋርያት ከም ዘይኮነን በዚ ከኣ ካብ ሓዋርያት ከም ዘይንእስን ገሊጹ እዚ ክፍሊ ካብ ምዕራፍ ክሳብ ዘሎ ኮይኑ ኣብዚ ክፍሊ እዚ ድሕነት ዝተረኸበ ብነጻ እምበር ብናይ ሙሴ ሕጊ ብምፍጻም ከም ዘይኮነ ገሊጹ እምበኣር እዛ መልእኸቲ ነዘን ክልተ ዓበይቲ ክፍልታት ሒዛ ትርከብ መልእክቲ እያ ዝተጻሕፈሉ ዕላማ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ናይ መጀመርያ ዑደቱ ፈጺሙ ምስ ከደ ናይ ኣይሁድ መማህራን ናብ ገላትያ ኣትዮም ከይተገዘርኩም ናይ ኣይሁድ ሕጊ እንተዘይፈጺምኩም ኣይክትድሕኑን ኢኹም እናበሉ ሃወኹዎም በዚ ከይተወሰኑ ንቅዱስ ጳውሎስ ከም ካልኦት ሓዋርያት ንጎይታ ኣይርኣየን ምስቶም ሓዋርያት ማዕረ ኣይቁጸርን ካብ ሓዋርያት እምበር ካብ ጎይታ ስለ ዘይተማህረ ክብሩ ዝተሓተ እዩ። ኣብ ርስቲ ፊልሞና ቤተ ክርስቲያን ተሰሪታ ነይራ ፊል ትሕዝቶ መልእኸቲ ናብ ሰብ ቆላስይስ እዛ መልእኸቲ እዚኣ ኣርባዕተ ምዕራፋት ዘለዋ ኮይና ኣብ ክልተ ዓበይቲ ክፍልታት ትኽፈል ካብ ምዕራፍ ክሳብ ዘሎ ኮይኑ ኣብ ውሽጡ ብዛዕባ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መለኮታዊ ክብሩን ምስ ኣብ ዘለዎ ማዕርነትን ኩሉነገር ብኡኡ ከም ዝተፈጥረን ናይ ሙሴ ሕጊ ብምሳልያዊ ዝነበረ ሕግጋት ፈጣሪ ብኢየሱስ ክርስቶስ ምምጻእ ከም ዘብቅዐን ድሕሪ ሕጂ ውን ከም ዘየድሊ ተገሊጹ ኣሎ። ዝተጻሕፈሉ ዕላማ ናብ ተሰሎንቄ ክርስቲያናት ዝለኣኾም ጢሞቴዎስን ሲላስን መልእኸቱ ኣብጺሖም ምስተመልሱ ብዛዕባ ዳግማይ ምጽኣት ኣብ መጀመርያ መልእኸቱ ዝጸሓፈሎም ተመልኪቶም «ዘይንመውት ንሕና» ዝብል ቃል ዝለዝነበሮ «ዳግማይ ምጽኣት ብዘበን ቅዱስ ጳውሎስ ክግበርዩ» ብማለት ንህዝቢ ዘደናግሩ መናፍቓን ብምትንስኦም ክርስቲያናት ተሰሎንቄ ኣብ ፍርሃትን ጥርጥርን ከምዘለው ነገርዎ በዚ ድማ ኣዝዩ ስለዝሓዘነ ብ ዓም ጽሒፉ በቶም ቀዳመይቲ መልእክቱ ዘብጽሕሉ ጌሩ ነዛ ካልኣይቲ መልእክቱ ጽሓፈሎም ናብ ጢሞቴዎስ ቲ መልእኸቱ ትሕዝቶ ቲ መልእኸቲ ናብ ሰብ ጢሞቴዎስ እዛ መልእኸቲ እዚኣ ሽድሽተ ምዕራፋት ዘለዋ ኮይና ኣብ ኣርባዕተ ዓበይቲ ክፍልታት ትኸፈል ምዕራፍ ንን ክኸውን ከሎ ንጢሞቴዎስ ምኸርን መምርሕን ዝተዋህቦ እዩ ምዕራፍ ክኸውን ከሎ ኣብዚ ክፍሊ እዚ ብዛዕባ ስርዓተ ኣምልኾ ብሰፊሑ ተዘርዚሩ ይርከብ ምዕራፍ ክኸውን ከሎ ኣብዚ ክፍሊ እዚ ብዛዕባ ናይ ኤሏስቆጸጳሳትን ዲያቆናት ትእዛዝክገብርዎ ዝግቦኦም ተገሊጹ ኣሎ። ናይ ቁስጥንጥንያ ሊቀ ጳጳስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ግና ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ምኳና ኣረዲኡ እዩ ካልኦት ኣቦታት ከኣ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ምኳኑ ከም መረድኢ ዘቕረብዎ ኣብ መወዳእታ ናይ መልእኸቱ ሽም ወዲ መዝሙሩ ናይ ጢሞቴዎስ ተጠቂሱ ምህላዉ እዩ። ምዕራፍ ካብ ናይ ክፍኣት ሱር ዝኾኑን ካብ ክፍኣትን ክንዕቀብ ከም ዝግባኣና ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ ሰብ ክንፈርድ ከም ዘይግባእ ምኸሪ ተዋሂቡ ይርከብ ምዕራፍ ብዛዕባ ንነፉጋት ስሱዓት ሃብታማት ዝተዋህበ መጠንቀቕታን ካልኦት ምኽርታትን ይርከቦ ዝተጻሕፈሉ ዕላማ ቅዱስ ያዕቆብ ካብ ዓም ናይ እስጢፋኖስ ሰማእትነት ጀሚሩ ብዝበጽሕ ዝነበረ መከራን ጸበባን ክርስቲያናት ኣብ በብሃገሩ ንዝተበታተኑ ካብ ኣይሁድ ናብ ክርስትና ዝተመልሱ ክርስቲያናት መጸናንዒ መታን ክኾኖም መልእኸቱ ብ ዓም ኣከባቢ ጽሒፍሎም መልእኸቲ ያዕቆብ «ናይ ምኸሪ መልእኸቲ» «ናይ ኣቦ መልእኸቲ» ብምባል ትጽዋዕ ክርስቲያናት ብናብርኦም ብውሽጥን ብደገን ንዘጋጥምዎም ነገራት እናኣልዓለ ዝመክር ኣቦ እዩ ብዛዕባ ህይወት ፈተና ሃይማኖት ምግባር ዝርርብ ጸሎት ንሓድሕድ ምትሕግጋዝ ንዝወደቁ ምልዓል ወዘተ መኺሩ እየዩ መልእኸቱ ብጠቅላላ ዝኸውን ነጥብታት ዝሓዘትያ ልዕሊ ግዜ «ኣሕዋተይ» እናበለ ብትሕትና ይጽሕፍ በዚ ድማ «ናይ ፍቅርን ትሕትናን መልእኸቲ» ብምባል ትጽዋዕ ሓጺር ዜና ዕረፍቲ ሓዋርያ ቅዱስ ያዕቆብ ሓዋርያ ቅዱስ ያዕቆብ ኣብ ኢየሩሳሌም ከተማ ቴርዮብስጣ ዝተባህለት ሕያወይቲ ሰበይቲ ትነብር ነበረት ሰብኣያ ኣማንዮስ ካብ ዝባሃል ናይ ኣይሁድ ምሁራን ወገን ዝነበረ እዩ ን ዓመታት ብሓዳር ክነብሩ ከለዉ ውላድ ግን ኣይነበሮምን ዝና ናይ ቅዱስ ያዕቆብ ምስ ሰምዐት ናብኡ ብምኻድ «በጃኻ እግዚአብሔር ውላድ ክህበኒ ጸልየለይ» ኢላ ለመነቶ ሓዋርያ ያዕቆብ ድማ «ኣጆኺ ኣይትሕዘኒ እመኒ ጥራይ ክኾነልኪ እዩ» ብምባል ኣጸናኒዑ ናብ ገዝኣ ሰደዳ ቅዱስ ያዕቆብ ነዚ ምስ ነገራ ኣብ መበል ዓመታ ወዲ ወለደት ናብ ቅዱስ ያዕቆብ ኣምጺኣ ድማ ኣባረኸቶ ምስ ተመልሰት ከኣ ነቲ ዝኾነ ኩሉ ንሰብኣያ ነገረቶ ሰብኣያ ግና ኣዝዩ ተበሳጨወ «ሓይሊ ክርስቲያናት እናበርትዐ እንተኸይዱ ኣዝዩ ዘስግእ እዩ» ብዝብል ሓሳብ ኣብቲ ጊዜ እቲ ናይ ኢየሩሳሌም ሊቀ ካህናት ዝነበረ ንሓናንያ ነጊሩ ንኣይሁድ ዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣቕሪቦም ንሓዋርያ ቅዱስ ያዕቆብ ኣሰርዎ ሊቀ ካህናት ንኣይሁድ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣኪቡ ንቅዱስ ያዕቆብ ናብቲ ጫፍ መቕደስ ኣውጺኡ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ንክርስቶስ ክሒደ ኢልካ ምሃር ክብል ኣዘዞ ዜና ኣይሁድ ዝጸሓፈ ዮሴፍ ወልደ ኦርዮን ከም ዝገለጾ ቅዱስ ያዕቆብ ንጐይታ ዝክሕድ ቃል ዘይኮነስ ብዛዕባ ጐይታ ምምስካር ጀመረ በዚ ዝሓረቹ ናይ ኣይሁድ ካህናት ካብ ጫፍ ቤተ መቅደስ ናብ ምድሪ ደርበይዎ። ኣብ ኔሮን ዘበነ መንግስቲ ተታሒዙ ሓምለ ዓም ቁልቁል ኣፉ ተሰቼቺሉ ሰማእትነት ተቐበለ መልእኽታት ቅዱስ ዮሐንስ መልእኸቲ ዮሐንስ ቅዱስ ዮሐንሰ ብድምጥያኖስ ዓም ዘበነ መንግስት ንሸውዓተ ዓመታት ኣብ ፍጥሞ ደሴት ተኣሲሩ ብኔርቫ ዘበነ መንግስት ተፈቲሑ ብ ዓም ከባቢ ናይ መጀመርያ መልእኸቱ ጸሓፈ ትሕዝቶ ቲ መልእኸቲ ዮሐንስ እዚ መልእኸቲ እዚ ሓሙሽተ ምዕራፋት ዘለዎ ኮይኑ ነዞም ዝስዕቡ ዕላማታት ድማ ሒዙ ይርከብ ናይ ጐይታ መለኮታዊ ክብርን ስጋዌኡን ንምርግጋጽ ድሕነት ዝርከብ ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ ምእማንን ምስ ኣብን መንፈስ ቅዱስን ብማዕረ ኣምልኾ ምቕራብን ብዝገበርዎ ሓጢኣት ተጣዒሶም ገበኖም ንዝተናዘዙ ክርስቲያናት ጐይታ ምእንቲ ሓጥኣን ስለ ዝሞተ ናይ እግዚአብሔር ምሕረት ከም ዝረኸቡ ዘረድእ ክፍሊ እዩ ኣብ መንጐ ደቂ እግዚአብሔርን ደቂ ዲያብሎስን ዘሎ ፍልልይ ዝገልጽ እዩ ክርቲያናት ደቂ እግዚአብሔር እዮም ውልድነቶም ዝረጋገጽ ድማ ትእዛዙ ምስ ዝሕልዉን ነንሕድሕዶም ምስ ዝፋቐሩን ምኳኑ ዝገልጽ እዩ ካብቶም ሓሰውቲ መሲሓት ምምጻእ ክርስቶስ ካብ ዝክሕዱ ክሕለዉ ዝመዓደሉ እዩ ናይ ምእመናን ጸሎት ምስ ንስሓ ሓጢኣት ከስተስሪ ከም ዝኸእል ዝገለጸሉ እዩ። ትሕዝቶ ራእይ ዮሓንስ እዚ ናይ ራእይ መጽሓፍ ምዕራፋት ዘለዎ ኮይኑ ኣብ ኣርባዕተ ዓበይቲ ክፍልታት ድማ ይኸፈል እቲ ናይ መጀመርያ ክፍሊ ካብ ምዕራፍ ድ ዘሎ ኮይኑ ነተን ሸውዓተ ኣብያተ ክርስቲያናት ዝተዋህበ ምኽርን መምርሕን ድማ ይርከቦ እቲ ካልኣይ ክፍሊ ምዕራፍ ንን ክኸውን ከሎ ኣብዚ ክፍሊ እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊ ዙፋኑ ኮይኑ ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግለታት ኣብ ዙርይኡ ኣርባዕተ እንስሳት ብቕድሚኡን ብድሕሪኡን ሓዋርያ ቅዱስ ዮሐንስ ዝረኣዮ ራእይ ተጻሒፉ ይርከብ እቲ ሳልሳይ ክፍሊ ካብ ምዕራፍ ዘሎ ኮይኑ ኣብ ውሽጡ በቶም ጸላእቲ ኣይሁዳውያንን ኣረማውያንን ኣብ ልዕሊ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዝግበር ዝነበረ ተቓውሞ ኣብ መንጐ ሳጥናኤልን ቅዱስ ሚካኤልን ኣብ ሰማይ ዝተገብረ ውግእ ሳጥናኤል ምስ ሰራዊቱ ምስዓሩ ምትንሳእ ሓሳዊ መሲሕ ናይ ምእመናን ንሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ምስዳድ ኣብ መወዳእታ እቲ ሓሳዊ መሲሕ ብክርስቶስ ምስዓሩ ይገልጸልና እቲ ራብዓይ ክፍሊ ካብ ምዕራፍ ዘሎ ኮይኑ ኣብዚ ክፍሊ ኣብ ሳዕሊ ጸላእቲ ቤተ ክርስቲያን ጐይታ ዝተዓወቶ ዓወታትን ብዛዕባ ፍርድን ቅዱሳን ኣብ ሰማይ ዝተዋህቦም ክብርን ይገልጸ። እዚ ድማ ሓዋርያት ድሕሪ ዕርገት ክርስቶስን ርደት ናይ መንፈስ ቅዱስን ተኣኪቦም ዝወሰንዎ ቀኖናት እዩ ዝተጻሕፈሉ ቋንቋ ሸሞንተ ናይ ስርዓት ቤተ ክርስቲያን መጻሕፍቲ ንመጀመርታ ዝተጻሕፈሉ ቋንቋ ስርሱጥ ቋንቋ ሶርያ እዩ ሓደ ሓደ ሊቃውንት ኣቦታት ድማ ኣብ ዳሕረዋይ ዘመን እዞም ናይ ሕግን ስርዓትን መጻሕፍቲ ብዝተፈላለየ ቋንቋ ንምትርጓም መበገሲ ምንጪ ኮይኖም ዘገልገሉ ሰነዳት ብምሉእ ይኹን ብከፊል ተጻሒፎም ዝተረኸቡ ብቋንቋ ግሪኸ ስለ ዝኾነ እዞም መጻሕፍቲ ንመጀመሪያ ግዜ ብግሪኸ ብልሳነ ጽርዕ እዩ ይብሉ ንስርሱጥን ግሪኸን መሰረት ብምግባር ከኣ ናብ ላቲንሮማይስጥ ግብጺሳይቅን ማውፊቲቅ ዓረብን ግእዝን ብዝተፈላለዩ ተርጐምቲ ተተርጉሙ እዩ ፍትሓ ነገስት መቅድም ኣመዳድባ መጻሕፍቲ ስርዓተ ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያት ዝገበርዎም ናይ ሓዲስ ኪዳን ናይ ስርዓት መጻሕፍቲ ሸሞንተ ክኾኑ ከለዉ ሓፈሻዊ ኣመዳድቦኦም ኣብ ሰለስተ እዩ ኣከፋፍሎኦም ድማ ከምዚ ዝስዕብ እዩ መጽሓፈ ዲድስቅልያን ኣርባዕተ መጻሕፍቲ ሲኖዶሳትን ትእዛዝ ግጽው ኣብጥሊስን ስርዓተ ጽዮንን ነዚኦም ሓዋርያት በብግዚኡ እናተኣከቡ ዘዳለውዎም እዮም ክልተ ኪዳናት መጽሓፈ ኪዳን ቀዳማይን ካልኣይን ጐይታና ድሕሪ ትንሳኤ ዝተዛረቦም እዮም። መጽሓፈ ኪዳን ቀዳማዊ መጽሓፈ ኪዳን ዘእግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘጸሓፍዎ ለዝ ኪዳን ዮሐንስ ወዔጥሮስ ወማቴዎስ እንዘ ያጽሕፎሙ እግዚእነ ወፈነወ በኣርዓያዝ ግጽው እም ኢየሩሳሌም እዚ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ኪዳን መጽሓፍ ዮሐንስ ጴጥሮስን ማቴዎስን ጐይታና ከምዝበሎምከምዘጽሓፎም ጸሓፍዎ ብኸምዚ መግለጺ ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ለኣኸ ከምዚ ኢሉ ይጅምር እዚ ጐይታ ዝመሃሮ መጽሓፈ ኪዳን ቀዳማዊ ካብ መጻሕፍቲ ሓደ ኮይኑ ዝምደበሉ ከኣ ምስ ሸሞንተ ናይ ስርዓት መጻሕፍተ ሓዲስ እዩ መጽሓፈ ኪዳን ቀዳማዊ ዓንቀጻት ዘለዎ መጽሓፍ እዩ እዚ ኸኣ ብዛዕባ ስርዓት ቤተ ክርስቲያን ናይ ዘወትር ኪዳናት ትምህርተ ሕቡኣት እግዚአብሔር ዘብርሃናት ቅዳሴ እግዚእ በእንተ ቅድሳት ወዘተ ዝዛረብ መጽሓፍ እዩ። ኣቀማምጣ ዕቃውማ ስርዓተ ቅዳሴ ኣመልኪቱ ብዛዕባ ጽላት ኪዳን ቡራኬ ብኤሏስ ቆጳሳት ሓድሽ ቤተ መቕደስ ዝባረኸሉ ስርዓት ብዛዕባ ስርዓተ ጥምቀትን ስርዓተ ቁርባንን ዝኣመሰሉ ይዛረብ ኣብዚ ናይ ቀኖና ክፍሊ ድማ ብዛዕባ ክብሪ ሰማእታት በዓላት ሰንበተ ክርስቲያን ናይ ዕራፍቲ መዓልቲ ምኺኳና ብሰሙነ ሕማማት ክርስቲያናት ካብ ግብረ ስጋ ከዕርፉ ከም ዝግባእ ተገሊጹ ይርከብ ቀኖ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ካብ ናይ ሓዋርያት ኣበው ትምህርቲ ዝኾኑ ክልተ ጽሑፋት መልእክትን ድርሳንን ተጠቺሶም ኣለዉ እዛ መጽሓፍዚኣ ዝተጻሕፈት ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ቀዳማዊ ቀሌምንጦስ ብምኽንያት ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣበው መማህራን ብምቕታሎም ዘይምርድዳእ ኣጋጢምዋ ዝነበረት ናይ ቆሮንቶስ ቤተ ክርስቲያን ብናይ ሮማ ጳጳስ ዝተላእኸት መልእኸቲ እያ ድሕረ ባይታ ወደ መዝሙር ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝኾነ ቀሌምንጦስ ካብቶም ቀዳሞት ናይ ቤተ ክርስቲያንና ኣቦታት ሓደ ቅዱስ ቀሌምንጦስ ዝባሃል ቅዱስ ኣቦ ከም ዝነበረ ታሪኸ ይሕብረና ኣቦ ቀሌምንጦስ ቀውስጦስ ካብቶም ቀዳሞት ናይ ሮማውያን ወገን እዩ። እግዚአብሔር ኣምላከ ቀሌምንጦስ ይሓግዘና ክፍሊ ሓደ ቀ ነት ጐይታ ድሕሪ ምዕራጉ መላእ ዓለም እናዞሩ ከም ዝለኣኾም ቤተ ክርስቲያን ብናይ ሓዋርያት ትምህርቲ ከም ዝተመስረተት ካብ ኣዳም ጀሚሩ ዘሎ ናይ ትውልዲ ሓረግ ብዛዕባ ገነትን ዓበይቲ ኣቦታትን ብዛዕባ ኩነታት ካብ ገነት ወጺኦም ናብ ደብረ ቅዱስ ዝኣተዉ ሰባት ክፍሊ ክልተ ቀ ነት ቀሌምንጦስ ናይ ሓዋርያ ሌጥሮስ ወደ መዝሙር ክኸውን ምምራጽ ብዛዕባ ናይ ቀሌምንጦስ ህይወትን መነባብሮን ናይ ቀሌምንጦስ መንፈሳዊ ኣገልግሎትን ይገልጽ ክፍሊ ሰለስተ ሓዋርያ ቅዱስ ሌጥሮስ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ መንነት ንቅዱሳን ሓዋርያት ዝመሃሮን ዝገበሮን ኩሉ ንቀሌምንጦስ ዝነገሮን ኣብ ኣገልግሎቱ ክጸንዕ ከም ዝመኸሮ ይገልጽ ቀ ቀ ራብዓይ ክፍሊ እግዚአብሔር ንቅዱስ ጥሮስ ዘርኣዮ ራእያትን ተኣምራትን ብዛዕባ ስልጣነ ክህነት ካብ ጳጳሳት ክሳዕ ዲያቆናት ኣጀመምራን ኣወሃህባን ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ዓለምን ኩነታታን ብዛዕባ ኩነታት ዳግማይ ምጽኣትን ሓጥኣንን ጻድቃንን ብዛዕባ ምውራድ መንፈስ ቅዱስን ኩሉ ከም ዝገለጸሎምን ይዛረብ ሓሙሻይ ሓሙሻይ ክፍሊ ቀ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ኣብ ምድርን ሰማይን ንዝኸውን ነገር ኩሉ ቅዱስ ሴጥሮስ ንቀሌምንጦስ ከም ዝነገሮ ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤተልሔም ምውላዱ ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ግብጺ ምስዳዱ ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ ንግብጽን ከባቢኣን ዘለዋ ዓድታት ካብ ኣምልኾተ ጣኦት ነጻ ምውጽኡ ሩ ናብ ገሊላ ምእታዉ ይገልጸልና ቴ ሻድሻይ ክፍሊ ሩ እግዚአብሔር ንሙሴ ዝነገሮ ብዛዕባ ስርዓተ ደብተራ ኦሪት ንቅዱስ ሌጥሮስውን ዝነገሮ ቅዱስ ጴጥሮስውን ንቅዱስ ቀሌምንጦስ ነዚ ሰማያዊ ስርዓት ከም ዘስተምሃሮ ሙሴ ከም ሊቀ ጳጳሳት ኮይኑ ንኣሮንን ደቁን ከም ዝሾመ ቅዱስ ጴጥሮስ ንቀሌምንጦስ ስርዓተ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝመሃሮ ብዛዕባ ሙሴን ጴጥሮስን ንጽጽራዊ ትምህርቲ ብክርስቶስ ዝኣምን ናይ ክርስቶስ ስራሕ ከም ዝሰርሕ ቅዱሳን ሓዋርያት ድውያን ምፍዋሶም ብዛዕባ ንጽሕና ድንግልና በረኸት ንምቕባል ኣድላዩ ከም ዝኾነ ክርስቶስ ንርእሱ ናይ ቤተ ክርስቲያን መስዋእቲ ኮይኑ ከም ዘቕረበ ሻውዓይ ክፍ ሩ ብዛዕባ ናይ ክርስቶስ ኣምላኸነት ብዛዕባ ናይ ዲያቢሎስ ክፍኣትን ስዕረትን ብዛዕባ ናይ ክርስቶስ መስቀልን ናይ ሙሴ በትርን ምሳሊያዊ ትርጉም ብዛዕባ ናይ ቅዱሳን ሓዋርያት ትምህርቲ ብዛዕባ ናይ ኖህ መርከብ ንኸሰርሕ ምእዛዙ ይገልጽ ሻሙናይ ክፍሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዛዕባ ናይ ንሳሓ ኣድላዬነት ዝረኣዮን ዝመሃሮን ቅዱስ ጴጥሮስ ብጽእ ከም ዝተባህለ ቤተ ክርስቲያን ብናይ ቅዱስ ሌጥሮስ ናይ ቃል ምስክርነት ዝተመስረተት ከም ዝኾነት ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ መንግስተ ሰማያት መፍትሕ ከም ዝተዋህቦ ዝኣመሰሉ ይገልጽ ራሱ ራሱ ራሱ ራሱ ራሱ ራሱ ሓ ቭጅ ሓ ራሱ ጄና ሓጺር ዜና ዕረፍቲ ቅዱስ ቀሌምንጦስ ቀሌምንጦስ ኣሰር ኣቦታቱ ብምስዓብ ናይ ድሕነት ትምህርቲ ወንጌል ንወገናቱ ኣረማውያን ብምስትምሃር ካብ ናይ ሰይጣን ማእሰርቲ ኣውጺእዎም እዩ።

  • N.B. This Summary is Very Experimental!! based on the following scripts from:
    • https://github.com/millzon/textSummarizer-am
    • https://github.com/icoxfog417/awesome-text-summarization#motivation
Download Searchable PDF Download PDF

Advertisement
Bottom banner

Download options | Convert to Pdf | Reading List | Advertise on dirzon

© dirzon | Terms of Service | Privacy | About | Services | Contact