Detecting...
Please whitelist dirzon to continue.
ጥንተ አብሶን ንጽሕት ድንግል ንጹሕ ሥጋን ነፍስን ከምዝተወሐሐደ ኢና እንኣምንን እንምስከርን ቅድስት ቤተ ከርስቲያንና ነገረ ማርያም ብጥንቃቐ እትምህር ድማ ብዛዕባ ድንግል ማርያም እንኣምኖ ነገር ምስ መንነት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ከርስቶስ ቀጥታዊ ይኹን ዘይቀጥታዊ ምትእስሳር ስለዘለዎ እዩ። ጁ መደምደምታ ማርያምሰ ዘተበሥረት ብሥራተ ፍሥሓ እምአፈ ገብርኤል ሊቀ መላእክት ኩሎ ጊዜ ቅድስት ይእቲ ወኢይትከሀል ይበሉ በእንቲአሃ ቦ ጊዜ ዘነጽሐት አልቦ አመ ረስሓት ግሙራ አታ ብኣፍ ሲቀ መላእከት ገብርኤል ብሥራት ሓጐስ ዝተበሠረት ማርያምስ ኩሉ ጊዜ ንጽሕትን ቅድስትን እያ ነይራ ፈጺማ ረሲሓ ረኺሳ ስለዘይተፈልጥ ከኣ በዚ ጊዜ እዚ ረኺሳ ረሲሓ በቲ ጊዜ ኣቲ ከኣ ነጺሓ ከብሉዋ ኣይከኣልን እዩ።
ተፈሥሒ ኦ ድንግል ንጽሕት ኣንተ አልባቲ ርኩስ ዘመጽአ ቃለ አብ ወተሰብአ እምኔሃ ኦ ቃለ አብ እግዚአብሔር ወልድ ናባኺ መጺኡ ሰብ ዝኾነልኪ ርኸሰት ርስሓት ዘይብልኪ ንጽሕት ድንግል ባህ ይበልኪ ውዳሴ ማርያም ዘሠሉስ ሩ ቅዱስ ያሬድ ማርያምሰ ተኀቱ ውስተ ከርሥ ለኣዳም እም ትካት ከመ ባህርይ ፀዐዳ ማርያምሲ ካብ ቀደም ኣትቲዛ ኣብ ውሸጢ ከርሣ ኣዳም ኮይና ከም ፃዕዳ ዕንቀ ተብርህ ነይራ እያ ወኢረኩሰት በምንትኒ እምዘፈጠራ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ዝተፈጥረትሉ ጊዜ ጀሚሩ ሓደ ርኹስ ነገር ኣይተረኸባን። ካብ ገነት ትመስል ቦታ ረኃቐ ሳዕቤን እዚ ሞተ ሥጋን ሞተ ነፍስን መርገመ ሥጋን መርገመ ነፍስን ዝኾነ ጥንተ አብሶ ድማ ተሰከመ እዚ ጥንተ አብሶ እዚውን ኣብኡ ጥራይ ተወሲኑ ኣይተረፈን ናብ ኩሎም ዘርኡ ብዘይካ ናብ ቅድስት ድንግል ማርያም ኃለፈ በዚ ኸኣ ሰባት መወትን ብኃጢኣት ተሰነፍትን ኮኑ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ግና ካብዚ ኃጢኣት ጥንተ አብሶ እዚ ናጻ ኮይና ተፈጥረት ተወልደትውን ምኽንያቱ። አንቲ ውእቱ ተስፋሁ ለአዳም አመ ይሰደድ እምገነት ኣዳም ካብ ገነት ክስደድ ከሎ ንስኺ ኢኺ ተስፋኡ ነይርኪ ቅዳሴ ማርያም ኢሉ ገለጻ ስለዚ ነዛ ተስፋ ድኅነተ አዳም ኮይና ብእግዚአብሔር ዝተመርጸት ንጽሕተ ንጹሓን ቅድስት ድንግል ማርያም እግዚአብሔር ካብ ጥንተ አብሶ ሓልዩ ኣብ ሕቐ ኣዳም ዝነበረ ዘርኢ ኩሉ ብጥንተ አብሶ ክልከፍ ከሎ። ቡሩክት አንቲ እምአንስት ንስኺ ካብ ኩለን ኣንስቲ ዝተባረኽኪ ዝተፈለኺ ኢኺ ሉቃ ቻሯ ኢሉ ምሂሩና እዩ ምስዚ ብምትእስሳር ዝጠቕስዎውን ዕረፍቲ ሞት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እዩ ጥንተ አብሶ ስለዝነበራ እያ ሞይታ እዮም ዝብሉሌ በቲ ሓደ። ኃጢኣተይ ዝኃደገለይ ዘስተስረየለይ ኣይበለትን መድኃኒተይ እያ ኢላ ሰብ ብምኽንያት በደሉ ተሰካሚ ኃጢኣት ኮይኑ እዩ ነዚ ኃጢኣት እዚ ግና ጐይታና ካብኣ ሥጋን ነፍስን ወሲዱ ብዝተቐበሎ መከራ መስቀል ኣርጊቕዎ እዩ በዚ ከኣ ትንሣኤን ዘለዓለማዊ ሕይወትን ንሰባት ተዓዲሉ ስለዝኾነ ድማ ነዚ ተግባር ቤዛነት እዚ መሠረቱ ድማ ንሳ እያ እዚ ጸጋ እዚ ንዓኣ ንበይና ጥራይ ዝተዋህበ ጸጋ እዩ ስለዚ ድማ እያ። እምጽዮን ይወፅእ መድኅን ወያእትት ኃጢኣተ እምያዕቆብ ወዛቲ ይእቲ ኪዳኖሙ እንተ እምኀቤየ ይቤ እግዚአብሔር መድኅን መድኃኒት ካብ ጽዮን ኪወፅእ እዩ ካብ ያዕቆብ ድማ ኃጢኣት ኬርኅቕ እዩ ምሳይ ዘላቶም ቃል ኪዳን እዚኣ እያ ይብል እግዚአብሔር ጐይታ ሠራዊት ኢሳ ጣቿች ኢሉ ኣሎ በዚ ከኣ እግዚአብሔር ካብ ጽዮን ድንግል ማርያም ምውላዱ ካብ ሕዝቡ ኃጢኣት ምርኃቹ ምኳና እታ ምስኣታቶም ዘላቶ ኪዳን ገለጸ እዚ ቃል እዚ ብዛዕባ ምንታይ ከምዝተጻሕፈ ብርሃነ ቤተ ክርስቲያን ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ። ስለዚ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ቅድሚ ብሥራት ቅዱስ ገብርኤል ቅድሚ ንጐይታና ምጽናሳ ካብ ማኅፀን ኣዲኣ ጀሚራ ንጽሕት ቅድስት ጥንተ አብሶ ኃጢኣት ኣዳም ዘይኃለፋ አግዚአብሔር ንፍሉይ ሥራሕ ንተዋሕዶ መሪጹ ዓቂቡ ሓሊዉ ዘጽንሓ እያ። ካብ ኩሉ ወዲ ሰብ ጸጋ ኣብ ዝረኃቐሉ ጊዜ ጸጋ ዝመልኣኪ ተባሂሉ ፍሉይ ምስጋና ዝቐረበላ ቅድስት ድንግል ማርያም ጥራይ እያ። ሓፈሻዊ ብዛዕባ ደቂ ሰባት ግና ዥሎም ኃጢኦም ከብሪ እግዚአብሔርውን ስኢኖም ሮሜ ሾ እዩ ተባሂሉ ነይሩ እዚ ከኣ ጥንተ አብሶ ዕዳ ኣዳም ኣብ ኩሎም ስለዝበጽሐ ደኣ እምበር ኩሎም ብግብሪ ኃጢኣት ፈጺሞም ማለት ከምዘይኮነ ሞት ግና ካብ ኣዳም ጀሚሩ ከሳዕ ሙሴ ኣብቶም ከምቲ ናይ ኣዳም ኃጢኣት ዘይገበሩውን ሠልጠነ ሮሜ ተባሂሉ ተነጺሩ እዩ። አምበኣር ኩሉ ሰብ ብሰንኪ ኃጢኣት ኣዳም ጸጋ ጐዲሉዎ ኣብ ዝነበረሉ ዘመን ኣዴና ማርያም ጥንተ አብሶ ከምዘይኃለፋ ጸጋ ዝመልኣኪ ብምባል የረድእ ኣሎ ጄ ቡርክት አንቲ እምአንስት ካብ ኣንስቲ ዝተባረኸኪ ዝተፈለኺ ኢኺ እዚ ቃል ምስጋና እዚ በዚ ሌላን ጉሌላን የልቦን እሞ ኩሎም ኃጢኦም ሮሜ ሾ ካብ ዝተባህሉ ሰባት ፍልይቲ ምኺና የነጽር። ስለዚ ከብርን ምስጋናን ንኣኣ ይኹን እሞ ድንግል ማርያም ጥንተ አብሶ ኃሊፉዋ ነይሩ እዩ አንተተባሂሉ ደኣ እሞ ካብ ኣንስቲ ዓለም ፍሱይነታ እንታይ እዩ ወይስ ናይ ሊቀ መላእከት ቅዱስ ገብርኤል ምስጋና ጌጋ ኣለዎ ኣይፋሉን ንሳ ካብ ኩሉ ነገር ንጽሕት ኮይና እያ ተፈጢራ። ቅዱስ ቄርሎስ ሊቀ ጳጳሳት ዘእስከንድርያ ቅዱስ ቄርሎስ ወበደኃሪ መዋዕል ሶበ ተፈነወ ገብርኤል መልአከ ኀበ ማርያም ድንግል ንጽሕት ኣብ ዳኅራይ ዘመን ገብርኤል መልኣኽ ናብ ንጽሕት ድንግል ማርያም ምስ ተላእከ ሃይ አበ ጽዞ ብምባል ቅዱስ ገብርኤል ዝተላእከ ናብ እታ ኣቐዲማ ንጽሕት ዝኾነት ድንግል ማርያም እዩ። ኩሉ ብኣርባዕተ መኣዝናት ዓለም ዘሎ ሰብ ብጥንተ አብሶ ረኺሱ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብኡ ተፈልያ ንጽሕት ኮይና ስለዝተረኸበት እዩ ከማኺ ዝበለ ኣይረኸበን ዝበለምበር ፈልዩ ኣይምተዛረበን ቅዱስ ያሬድ ናይ ቤተ ከርስቲያንና ሊቅ መጻሕፍትን መሠረተ ዜማን ዝኾነ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ድጓ ዝተባህለ ድርሰቱ ማርያምሰ ተኀቱ እምትካት ውስተ ከርሠ ለአዳም ከመ ባሕርይ ፀዐዳ ማርያምስ ካብ ጥንቲ ጀሚራ ኣብ ውሸጢ ባህርይ ኣዳም ከም ፃዕዳ ዕንቀ ተብርህ ነበረት ይብል። አዚ ድማ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብቲ ብምኸንያት በደል ዝመጽአ ጥንተ አብሶ ብኣምላኻዊ ምሥጢር ተሓሊዋ ካብ ኣዳም ናብ ሴት ካብ ሴት ናብ ኖኅ ካብ ኖኅ ናብ ሴም ካብ ሴም ናብ ኣብርሃም እናሰገረት ዚመጽአት ንጽሕት ዘርኢ እያ። እሞ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ከርስቶስ ሥጋን ነፍስን ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ወሲዱ እናበልና ድንግል ማርያም ጥንተ አብሶ ኣለዋ ንብል እንተኾይንና ሎቱ ስብሐት ጐይታና ኃጢኣት ዘለዎ ሥጋ ተወሐሒዱ ንብል ኣሎና ማለት እዩ።